Ge en gåva

ሕማም በይንነት

እዚ ካብ ክውንነት ምርሓቕ ዝመለለዪኡ ሕማም በይንነት (ASD)፡ መትነ-ሲካትሪያዊ ኣካላዊ ዕዮኣዊ ስንክልና እዩ። እዚ መጸውዒ ናይዚ ሕማም ዝኾነ ASD፡ ካብ ምሉእ ስም ናይቲ ሕማም ማለት፡ ምምዝባል ምትሃት ክውንነት ዝተወስደ ኣሕጽሮተ-ቓል እዩ። ASD ንዝተፈላለዩ መትነ-ሲካትሪያዊ ምምዝባላት ዝፈጥሮም ዕዮኣዊ ስንክልናታት ዝሓቁፍ ጠቕላሊ ስም እዩ። እዞም ዕዮኣዊ ስንክልናታት፡ ሓደ ሰብ ምስ ሰባት ዘለዎ ማሕበራዊ ርኽክባትን ምቕርራባትን ካብቲ ልሙድ ፍልይ ዝበለ ክኸውን ይገብሩ። ሓደ ካብ ዓይነታት ሕማም በይንነት (ASD)፡ እቲ ብኣስፐሽ ሲንድሮም (Aspergers syndrom) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕማም እዩ።

ሕማም በይንነት ምንጩ እንታይ እዩ?

ሕማም በይንነት (ASD/Asperger)፡ ኣእምሮና፡ ብጀነቲካዊ (ስነ-ሰረታዊ) ምኽንያታት፡ ብዘይንቡር መንገዲ ክሰርሕ ምስዝጅምር ዝፈጥሮ ሕማም እዩ። ሕማም በይንነት (ASD/Asperger) ምሳና ዝውለድ ሕማም ኮይኑ፡ ብኡ ዝተጠቕዐ ሰብ ውን፡ ቀልጢፍካ ኣብ ንኡስ ዕድመ ምልላዩ ኣጸጋሚ ኣይኮነን። ካብ ኣዋልድ ንላዕሊ ዝያዳ ተጠቃዕቲ ናይዚ ሕማም ኣወዳት እዮም። ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ ነቲ ሕማም ቀልጢፍካ ንኸተለልዮ ግን ኣጸጋሚ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ መለየቲታት ናይቲ ሕማም ድሕሪ ነዊሕ ግዜ እዩ ዝንጸር።

ሳዕቤናት ሕማም በይንነት?

በዚ ሕማም ዝተጠቕዐ ሰብ፡ ብዙሕ ግዜ ዘጥፍኣሉ ዘይፍለዮ ዝምባሌ ከምዘጥሪ ክገብሪ ይኽእል። ሕማም በይንነት ማሕበራዊ ደምቢታት ናይ ምርዳእ ጸገማት ዘስዕብ ኮይኑ፡ ምስ ሰባት ብኸመይ ትጽንበርን ትዘራረብን ውን ከምዝጠፍኣካ ይገብር። ብሓጺሩ ንኻልኦት ቀሊል ዝኾነ ነገር ይኸብደካ። ግዳያት ናይዚ ሕማም፡ ንምትንካፍ፡ ድምጺ፡ ጨናን ኣዝዮም ተኣፈፍቲ እዮም። ሕማም በይንነት ጸጋ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ፡ ተጻዋሪ፡ መስተውዓሊ ኣብ ሓደ ነገር ብዕምቆት ከተተኩር ስለዝገብረካ።

ሕማም በይንነት ናብ መግዳዕቲ ዕዮኣዊ-ዓቕሚ ኣካላት ክምዕብል ይኽእል እዩ

ብሕማም በይንነት ዝተጠቕዐ ሰብ፡ ንጸቕጢ ኣዝዩ ተኣፋፊ እዩ። እዚ ኸኣ ብቐሊሉ ግዳይ ሻቕሎት፡ ቁዛሜን ቀጻሊ ዘይፍለየካ ምሕሳብን ከኸትል ይኽእል። ግዳማዊ ምቕይያራት ውን ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል እዩ – ነኣሽቱ ይኹኑ ዓበይቲ። ዕዮኣዊ-መስርሕ ኣካላት ምቊጽጻሩ ሰለዘይከኣል ከኣ፡ ኣብ ዙርያኻ ዘሎ ሰብ ብጌጋ ክርደኣካ ዘሎ ተኽእሎ ዓቢ እዩ። ኣብየተ-ትምህርታት ይኹን መካነ-ስራሕ ወትሩ ምስዚ ኩነታት ናይዚ ሕማም ዝሳነ ባይታ ዘይምድምዳ ምዃነን ውን ፍሉጥ ነገር’ዩ ክበሃል ይከኣል። ኣፍልጦን መረዳእታን ናይቲ ኣብ ከባቢኽእ ዘሎ ሰብ ወትሩ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ሕማም በይንነት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ

እዚ ሕማም ዝተፈላለየ ገጻት ኣለዎ። ካብ ሰብ ናብ ሰብ ውን ዝተፈላለየ መልክዕ ክህልዎ ይኽእል። ንዓለም ንምርዳእ እትምርኮሰሉ ኣገባብ፡ ሽግር ንምፍታሕ እትጥቀመሉ ጥበብን ናይ ምሕሳብን ምምርማርን ዓቕምን ውን ወሳኒ ተራ ይጻወት እዩ።

ሓገዝ ንምርካብ ናበይ ከብል ኣለኒ?

ብሕማም በይንነት ተጠቒዐ ኣለኹ ኢልኩም ምስ እትጥርጥሩ፡ ናብ ማእከል-ጥዕና ከባቢኹም ወይ ውን ናብ መቐብሊ ማእከል ሲካትሪያዊ ክንክን ከተምርሑ ኣለኩም። እቲ ዝተሰመዓኩም ነገር ብልክዕ ሕማም በይንነት ድዩ ወይሲ ካልእ ነገር፡ ከምዝረጋገጽ ይግበር። ከምቲ ልሙድ ኣሰራርሓ፡ ኣብታ ቐዳመይቲ ርክብ ምስ ሓኪም ወይ ውን ስነ-ኣእምሮኛ ተራኸብኩም ቦኽሪ ገምጋም ጥዕናዊ ኩነታትኩም የካይድ። ብድሕሪ`ዚ ዕሙቕ ዝበለ ምርመራ ይካየደልኩም። ብሕማም በይንነት ተጠቒዕኩም ምህላውኩም ወይ ዘይምህላውኩም ከኣ፡ ኣብዚ ምርመራ’ዩ ዝንጸር።

እንታይ ዓይነት ሓገዝ ይልገሰለይ?

ኣብ ቤት-ትምህርቲ፡ ኣብ ስራሕን ኣብ መዓልታዊ ህይወትኩምን ዝሕግዘኩም ወይ ውን ንጸገማት ናይቲ ሕማም ዘቓልል መሳለጥያታት ይወሃበኩም። ኣብ ጸቕጥን ሻቕሎትን ካብ ምጥሓል ክትድሕኑ ምእንቲ ንጠለባትኩም፡ ንጹርነት፡ ትጽቢታኩምን እትውዕሉሉ ዙርያን ዝምልከት ምምችቻእ ክግበረልኩም ኣለዎ።