Ge en gåva

ሻቕሎት

ሻቕሎት፡ ኣብ ፈተንቲ ኩነታት እነንጸባርቖ ተፈጥሮኣዊ ግብረ-መልሲ ኮይኑ፡ ነገራት በዲህካ ንምስጋር እነርዮ ኩነት እዩ። ሻቕሎት ዝተፈላለየ ገጻት ክህልዎ ይኽእል። ንኣብነት ንሓጺር ግዜ ዝጸንሕ፡ ከቢድ ኣካላዊ መለለዪታት ዘለዎ ወይ ውን ናይ ራዕዲ ስምዒት ዝነዝሕን ክሳብ ውነኻ ዝፈታትን ሻቕሎት ክኽውን ይኽእል። ሻቕሎት ውትሩ ይስወር እኳ እንተኾነ ተመላሳይ ግን እዩ።

ሻቕሎት ከመይ ይመስል?

ሻቕሎት ዝፈጥሮ ስምዒታትን ዕምቆቱን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክፈላለ ይኽእል። ፍዂስ ዝበለ ሻቕሎት፡ ናይ ምሽጋር፡ ስእነት-ቅሳነት፡ ነገራት ካብ ክዉን ዝረሓቐ ጌርካ ናይ ምርእይ ስምዒትን፡ ማለት’’ሆይሆይታ ኣብ ዘብቅዓሉ ኩነት’’ ምንባር፡ ዝኣመሰለ ገጻት ክህልዎ ይኽእል። ከቢድ ሻቕሎት፡ ብኣካላዊ ስምዒት እዩ ዝግለጽ። ንኣብነት፡ ከተስተንፍስ የጸግመካ፡ ኣብ ኣፍልቢኻ ጸቕጢ ከምኡ ውን ምንሃር ትርግታ ልቢ ወይ ዱግዱግታ ይሰመዓካ። ዘየላቡ ሽቅሎት ኣርዓዲ-ሻቕሎት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሻቕሎት ምስ ወረረካ ዝፍጠር ኩነታት ከኣ፡ ሻቕሎታዊ-መጥቃዕቲ ይበሃል።

ግዳይ ሻቕሎት ክትከውን እንከለኻ፡ እትሓስቦ ነገር ’’ምሽቓል ኣይክገድፈንን እዩ’’ ወይ ውን ’’ይዓብድ ኣለኹ’’ ዝብል ስምዒት እዩ። ከምዚ ዓይነት ስምዒት ክብሕተኩም እንከሎ – ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምዃኑ ኣይትረስዑ! ሻቕሎት ዕድሚኡ ሓጺር እዩ። ምስ ወረደኩም ዝዓስለኩም ስምዒት ጽቡቕ እኳ እንተዘይኮነ፡ ሻቕሎት ሓደገኛ ኣይኮነን።

ንምንታይ እየ ግዳይ ሻቕሎት ዝኸውን?

ብዛዕባ ዘሰንብድ ወይ ዘርዕድ ነገር ምሕሳብ ወይ ውን ንነብስኻ ከም ዓቕሚ ዝሰኣንካ፡ ዝፈሸልካ ወይ ውን ትርጉም ከምዘይብልካ ጌርካ ምርኣይ ገለ ካብቶም መበገሲ ሻቕሎት እዮም። ኣብ ገለ እዋናት ጠንቂ ሻቕሎት ምስ ልዑል ትጽቢታት፡ ንነብስኻ ውርደት ምስካምን ከም ኣባሲ ጌርካ ምስ ምርኣይን ዝተተሓሓዘ እዩ። ነንብስኻ ከም ስግንጢር ’’ጸገም ዘለካ ሰብ’’ ጌርካ ምርኣይ ከኣ ልሙድ ነገር እዩ።

ግዳይ ጥልመትን ኣሕሊፍካ ምሃብን ምዃን ውን መበገሲ ሻቕሎት ክኸውን ይኽእል እዩ። ነዓኹም ኣገዳሲ ዝኾነ ነገር ምስኣን ንኣብነት ቅሳነት፡ መዓርግ ወይ ውን ፍቕሪ ውን መበገሲ ሻቕሎት ክኸውን ይኽእል።

ክሻቐል እንከለኹ፡ ኩነተ ኣእምሮይ እንታይ ይመስል?

ሻቕሎት ካብ ማእከላይ ስርዓተ-መትኒ ሓንጎልና ዝምንጩ ክንቆጻጸሮ ዘይንኽል ግብረ-መልሲ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ሻቕሎት፡ ሓደጋ ወይ ውን ኣሰንባዲ ኩነታት ክገጥመና እንከሎ ሓንጎልናን ስርዓተ-መትኒናን ዝነዝሖ ግብረ-መልሲ እዩ። እቲ ሓደጋ ግድን ኣይኮነን ክዉን ወይ ግሁድ ክኸውን። ሓንጎልና ህይወት ኣብ ሓደ ኣላ ዝብል መልእኽቲ ክሰዽ እንከሎ፡ ኣካላትና ግብረ-መስሊ ይህብ። እዚ ኸኣ’ዩ ነዓኹም ሻቕሎት ኮይኑ ዝስመዓኩም።

ስነ-ኣእምሮኣዊ ስርዓተ-መጠንቀቕታ ናይ ሓደ ሰብ ማዕረ ክንደይ ተኣፋፊ እዩ ዝብል፡ ካብ ሰብ ናብ ስብ ከምኡ ውን ካብ ሓደ መድረኽ-ህይወት ናብ ካልእ ክፈላለ ይኽእል። ካብ ዕድመ ኮተቴ ክሳብ ዕድመ ዕስራታት ኣብ ዘሎ ዕድመ ግዳይ ሻቕሎት ምዃን ዘይልሙድ ነገር ኣይኮነን። እንዳዓበኻ ምስ እትመጽእ ውን ሻቕሎት እንዳነከየ ይመጽእ። ንሕማቕ ዝኾነ ነገራት ዝተቓልዐ ሰብ ኣብ ሻቕሎት ናይ ምውዳቕ ተኣፋፍነቱ ኣዝዩ ልዑል እዩ።

እንታይ ዓይነት ናይ ፍወሳ ኣገልግሎት ይግበረለይ?

ኩሉ ኣንጻር ሻቅሎት ዝቐንዐ ኣገባብ ፍወሳ፡ ሻቕሎት ከመይ ጌርካ ትቆጻጸሮ ኣብ ምምሃር ዝተሰረተ እዩ። እዚ ኣገባብ ፍወሳ ከኣ ተቓልዖ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ፡ ኣብ ርጉእ ኩነታት ኮይንኩም ብዘገምታ ሻቕሎት ንምስዓር ትለማመዱ። ኣብታ ናይ ልምምድ ህሞት ሻቕሎት ንምስዓር ምስ እትዕወቱ ከኣ፡ ሻቕሎት ድሕሪ ውሱን ግዜ ባዕሉ ከምዝጠፍእ ክትግንዘቡ ኢኹም። ኣገባብ ፍወሳ ተቓልዖ ብምልምማድ ከኣ፡ ንኣእምሮኹም ነቲ ኣብ ደሃሊ ህሞት ዝልእኮ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ከምዝዓርፍ ትገብሩ። እንታይ ንምባል እዩ ንሻቕሎት ብዙሕ ከምዘይትሳጥሑ ትኾኑ።

ሻቕሎት ማዕረ ክንደይ እዩ ልሙድ?

ዝኾነ ሰብ ኣብ ህይወቱ ገለ እዋን ግዳይ ሽቕሎት ይኸውን እዩ። ገሊኦም ውን ብዙሕ ግዜ ግዳያት ሻቕሎት ይኾኑ። ሻቕሎት ኣዝዩ ልሙድ እኳ እንተኾነ፡ ብዛዕብኡ ኣፎም ከፊቶም ዝዛረቡ ሰባት ግን ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። ስለዝኾነ ከኣ፡ መብዛሕታኦም ሰባት ንሻቕሎት ምስ ከም ውርደትን ወቐሳን ዝተተሓሓዘ ስምዒታት የተሓሕዝዎ። ሻቕሎት ኣብ ሰብ ዘይርአይ ስለዝኾነ ኸኣ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ንሳቶም ጥራይ ግዳይ ሻቕሎት ዝኾኑ ጌርም ንነብሶም ይቆጽርዋ። እዚ ኸኣ፡ ንሻቕሎት ከም ዛዕባ ክትዛረበሉ ዝግባእ ጉዳይ እንዳሃለወ ከይተዘርበሉ ክሓልፍ ይገብር።

ብዙሓት ሰባት ሻቕሎት የንጸላልዎም ምህላዉ ይሓብኡ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዳርጋ ሻቕሎት ዝበሃል ነገር ከምዘየለ ውን ከምስሉ ይፍትኑ። ሓባእ ቊስሉ ሓባእ ፈውሱ ዝዓይነቱ ኸኣ፡ ክትሓብኦ ምስ እትፍትን ክትቆጻጸሮ ውን ኣጸጋሚ እንዳኾነ ይኸይድ።

ንሻቕሎት ብኸመይ ይቆጻጸሮን ባዕለይ`ከ እንታይ ክገብር ይኽእል?

ካብ ሻቕሎት ክትሃድም ምፍታን ንቡር ነገር እዩ። ምኽንያቱ፡ ካብ ዘይቅሱን ኩነታት ክትላቀቕ ምፍታን ፍጡራዊ ባህሪ ወዲ-ሰብ እዩ። ሻቕሎት ገዲፍካዮ ብምህዳም ኣይገድፈካን እዩ። እቲ ሓቂ ብኣንጻሩ እዩ። ሓደ ካብቲ ብሉጽ ኣገባብ ምቊጽጻር ሻቕሎት ምቕባሉ እዩ። ነቲ ዝወረደካ ኩነታት ተቐቢልካ ካብኡ ክትሃድም ዘይምፍታን። ዓቕሊ ምስ እትረኽቡ ሻቕሎት ቀልጢፉ እዩ ዝገድፈኩም ጥራይ ዘይኮነስ ንቐጻሊ ውን ብቐሊሉ ክትቆጻጸርዎ ትኽእሉ።

ከመይ ኣለኻ ኢልካ ምስ ሰብ ምዝራብ ሓጋዚ እዩ። ምዝራብ ናብ ሕውየት ዘእቱ ዋና ማዕጾ እዩ። ንሻቕሎትን ኣገባብ ኣፈዋውስኡን ኣመልኪትኩም ምንባብ ውን ሓጋዚ እዩ።

ጸቕጢን ሻቕሎትን ዳርጋ ኣዝማድ እዮም። ብግቡእ ምስ እትምገቡ፡ እኹል ምስ እትድቅሱ ደስ ዝብለኩም ነገር ውን እትገብሩ ንጸቕጥን ሻቕሎትን ንምስዓር ዘኽእለኩም ሓይሊ ክትድልቡ ትኽእሉ። ካልእ ኣገዳሲ ምኽሪ ውን ኣይፋል ምባል ምልማድን ልዕሊ ዓቕምኹም ዝኾነ ነገር ዘይምግባርን እዩ።

መለለዪታት ሻቕሎት እንታይ እዩ?

ሻቕሎት ንመዓልታዊ ህይወትኩም ዝጸሉ ምስዝኸውን፡ ምልክት ናይ መለለዪ ሕማም ሻቕሎት እዩ። እዚ ኸኣ ክትሕከምዎ ትኽእሉ ኢኹም። ገለ ካብቶም ዓይነታት ሕማም ሻቕሎት፡ ራዕዲ ዝተሓወሶ ሻቕሎት፡ ድብልቕልቕ ዝበለ ሻቕሎት፡ ማሕበራዊ ሻቕሎት ከምኡ ውን ጠገለ ኣልቦ ራዕዲ ዝተሓወሶ ሻቕሎት የጠቓልል።

መዓስ እየ ሕክምናዊ ረድኤት ክሓትት ዘለኒ?

ሻቕሎት፡ መዓልታዊ ዝነግደኩም ንህይወትኩም ዝጸሉ ተርእዮ ምስዝኸውን-ሓገዝ ካብ ምሕታት ዓዲ ኣይትውዓሉ። ግዳይ ናቱ ምዃንኩም ነብስኹም ክተዋድቑ ክደፋፍኣኩም የብሉን። ሓገዝ ምሕታት ወትሩ ትብዓት የድሊ እዩ። ቀልጢፍካ ሓገዝ ምሕታት ውን ዝበለጸ እዩ። ሕክምናዊ ሓገዝ ምሕታት ዓቐበት ምስዝኾነኩም፡ ከምኡ ንምግባር ከተባብዓኩም ዝኽእል ትኣምንዎ ሰብ ተወከሱ። ትኣምንዎ ሰብ ምስዘይህሉ፡ መንነትኩም ከየቃላዕኩም ምስ ናይ ድጋፍ መስመር ክትጸሓሓፉ ወይ ውን ቻት ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ብዝምልከት ክትውከሱወን እትኽእሉ ማሕበራት ዝርዝር ኣብዚ ኣለኩም።