Ge en gåva

ሕማም ኣእምሮኣዊ መኽሳእቲ

ጠባያት ናይ ወዲ-ሰብ ኣብ ዝተፈላለዩ መላግቦታት ህይወት ክለዋወጥ ይኽእል እዩ። ብሕማም ኣእምሮኣዊ-መኽሳእቲ ምስ እትጥቅዑ፡ ኩነታትኩም ጸቕጢ፡ ልኽፈት ወይ ውን ሓውሲ-ጽላለ ዝዓብለሎ ይኸውን። ኣብ መንጎ ግን ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብርክት ንዝበለ ዓመታት፡ ጥዕና እትረኽቡሉ ግዜ ኣለኩም።

ሕማም ኣእምሮኣዊ መኽሳእቲ እንታይ እዩ?

ሕማም ኣእምሮእዊ መኽሳእቲ፡ ሓጎስን ጸቕጥን እንዳተበራረየ ኣብ ዝመጽኣካ እዋን ዝጋጥም ሕማም እዩ። ኣብ መንጎ ጸቕጥን ሓጎስ ዘሎ ግዜ ኸኣ፡ ጥዕና እትረኽቡሉ ወይ ካብዚ እተዕርፉሉ ግዜ ኣለኩም። እቲ ንኩነተ-ኣእምሮኹም ዝምልከት ወቕቲ ከኣ ህሞተ ሓውሲ-ጽላለ፥ ህሞተ ልኽፈትን ህሞተ ጸቕጥን ተባሂሉ ይፍለጥ። ኩነተ-ኣእምሮ ብዙሕ ገጻት ስለዘለዎ፡ ከከም ዓይነቱ ናብ ኣርባዕተ ዓይነታት ሕማም ኣእምሮኣዊ መኽሳእቲ ይምቀል። ሕማም ኣእምሮኣዊ ብደጊኣዊ ምኽንያታት፡ ከም ጸቕጢ ከምኡ ውን ሓፈሻዊ ሃልኪ፡ ክለዓል ዝኽእል ኮይኑ፡ እቲ ሕማም ኣብ ዓሰርተታት ናይ ዕድሜኻ እንከለኻ ክርአ ይኽእል እዩ። እዚ ሕማም ምሳኽእ ዝበሊ ነዊሕ ይገድፈካ ሕማም እዩ። እዚ ሕማም ኣብ ኩሉ ዓለም ልሙዱ ሕማም ኮይኑ፡ ግዳዩ ናይ ምዃን ዘሎ ተኽእሎ 1 ክሳብ 2 ካብ ሚእቲ (%) እዩ።

ሓውሲ-ጽላለ (hypomani) እንታይ ማለት እዩ?

ልኽፈትን ሓውሲ ጽላለን ዘንጸላልዎ ሰብ፡ ነቲ ንዝምድናታት፡ ስራሕን ቁጠባን ኣገዳሲ ዝኾነ ናይ ምምዝዛን ክእለቱ ይስሕት። ከምዚ ዓይነት ሰብ ኣብ ሓደ ግዜ ብዙሕ ፕሮጀክቲ ይጅምር፡ ዳንኬራታት ይገብር፡ ኣዝዩ ማሕበራዊ ይኸውን ከምኡ ውን ብዙሕ ኣገዳሲ ዘይኮነ ወይ ብዙሕ ለውጢ ዝይብሉ ነገራት ውን ይገብር። ከምዚ ዓይነት ሰብ ወትሩ ንጡፍ ኮይኑ ኣዝዩ ንእሽቶይ ድቃስ ጥራይ እዩ ውን ዘድልዮ። ነብሰ-ምትእምማን ናይ ከምዚኦም ሰባት ካብ ንብይር ንላዕሊ ይኸውን። ንብሉጽ ሓሳባቶም፡ ዝፈትዉዎ ነገራት፡ ናይ ደገ-ደገ ህይወቶምን ዝዓየዩዎ ፕሮጀክቲታት ኣብ ምልክት-ሕቶ ምእታው ኣዝዩ የቆጥዖም።

ግዳይ ልኽፈት ኣእምሮ ዝኾነ ሰብ፡ ኣካይድኡን ኣተሓሕዝኡን ንነገራት ኣዝዩ ጽዑቕ ኮይኑ፡ ክውንነት ናይ ምንባብ ዓቕሙ የጥፋእ ግዳይ ሕማም-ኣእምሮ ውን ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ብሓውሲ-ጽላለ ዝልለ ኩነተ-ሃለዋት ኣእምሮ ዝኣተወ ሰብ ክውንነት ናይ ምንባብ ዓቕሙ ዘየጥፍእ ኮይኑ፡ ኣካይድኡን ኣተሓሕዝኡን ንነገራት ውን ጽዑቕ ኣይኮነን። ብልኽፈትን ሓውሲ-ጽላለን ድሕሪ ምንጽልላው እቲ ሰብ ኣብ ጸቕጢ ይጥሕል። እቲ ጸቕጢ ኣዝዩ ዓሚቚ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ፡ ነብስኻ ናይ ምጥፋእ ሓሳባትን መደባትን ክወረካ ይገብር። ኣብ ገለ እዋናት ህይወትካ ከተሕልፍ ምፍታን ኣዝዩ ከቢድ እዩ።

ምንጪ ናይዚ ሕማም እንታይ እዩ?

ሕማም ኣእምሮኣዊ መኽሳእቲ ምሳኻ ዝውለድ ጀነቲካዊ ሕማም ኮይኑ፡ ንዕዮኣዊ ኩነተ ኣኣምሮና ዝጸሉ ሕማም እዩ። ዓቕምን ንጥፈታት ኣእምሮናን ምስ ተፍጥሮ ዝተተሓሓዘ እዩ።

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ሕማም ኣእምሮኣዊ መኽሳእቲ

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ሕማም ኣእምሮኣዊ መኽሳእቲ እኳ እንተሃለዉ፡ ብሓፈሻ ግን ናብ ክልተ ዓይነታት ማለት ቀዳማይ (typ1) ከማኡ ውን ካልኣይ ዓይነት (typ 2) ተባሂሎም ይኽፈሉ። እቲ ቐዳማይ ዓይነት ብልኽፈትን ጸቕጥን ዝለለ ኮይኑ እቲ ኻልኣይ ከኣ፡ ሓውሲ-ጽላለን ጸቕጥን ይልለ።

ሕክምናዊ ረድኤት ኣበይ ክሓትት ይኽእል?

ንስኹም ወይ ውን ካልእ ሰብ፡ ሕማም ኣእምሮኣዊ መኽሳእቲ ኣለኒ ወይ ኣለዎ ኢልኩም ምስ እትጥርጥሩ፡ ናብ ማእከል ሲክትሪያዊ ክንክን ኣምርሑ። ኣብቲ ማእከል መባእታዊ ገምጋም ተጊሩልኩም፡ ብድሕሪኡ ውን ኩነታትኩም ከምዝጽናዕ ተጌሩ በቲ ሕማም ምጥቃዕኩምን ዘይምጥቃዕኩምን ውን ይሕበረኩም።

ክረኽቦ ዝኽእል እንታይ ሓገዝ ኣሎ፡ ኣነ ባዕለይ’ከ እንታይ ክገብር ይኽእል?

እዚ ሕማም መላእ ህይወትኩም ክርምስ ስለዝኽእል ነብሰ-ቅትለት ውን ለዝደፋፍእ፡ መድሃኒታዊ ፍወሳ ክግበረልኩም ኣለዎ። እቲ መድሃኒት ናብ ተመሳሳሊ ወይ ዝኸፍአ ኩነተ-ኣእምሮ ከይትወድቕ ዝዓለመ እዩ። ግዳይን ኣብ ዙርያኡ ዘለዉን ሰባት ብዛዕባ`ዚ ሕማም ኣፍልጦ ክውንኑ ይግባእ። ከሎ ገና እቲ ሕማም ክምለስ ክደሊ ኸኣ ቐልጢፍካ ምልላይ ውን ምምሃር የድሊ። ኣእምሮኣወኢ ፍወሳን ምስ ሓኪም ውን ጽቡቕ ምርድዳእ ክህልወካ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ተመሳሳሊ ኩነተ ኣእምሮ ንኸይትወድቕ ካብ ዝሕግዙ ጠቐምቲ ምኽሪታት ከኣ፡ እቲ ሕማም ምልክታት ከርኢ ክጅምር ከሎ እትገብሮ ነገራት ዘስፈረ ውጥን ከምዝህልወካ ምግባር እዩ። ናይ ሕማም-ዕረፍቲ ምውሳድ ወይ ውን ኣብ ሕክምና ኣብኡ ኮይንካ ምሕካም ውን ጽቡቕ እዩ።