Ge en gåva

ፍኑው ዝውተራ ጾታዊ ርክብ

ቅጥዒ ዘይብሉ  ጾታው-ርክብ ምፍጻም፡ መለለዪ ፍሉይ ሕማም እኳ እንተዘይኮነ፡ ዘኸትሎ ሳዕቤን ምስ እንግንዘብ ግን ዳርጋ ከም ካልኦት ወልፊታት ክንርእዮ ንኽእል። ጥርዙ ዝሓለፈ ወሲባዊ ዝምባሌታት ንህይወትኩም ወይ ውን ህይወት በቕርብኩም ብኣሉታ ይሕምሶ ምስዝህሉ፡ ሓገዝ ክትሓቱ ግድነት እዩ።

ፍኑው ጾታዊ-ርክብ እንታይ እዩ?

ፍኑው ኣዘውታሪ ጾታዊ-ርክብ ዝኾነ ሰብ፡ ካብ ወልፈኛ ፈሊኻ ኣይረአን እዩ። ዕምቆት ወልፊ ናይ ድሮጋ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ንህይወት ብኣሉታ ዚጸሉ ጥሩፍ ወሲባዊ ዝምባሌታትን ሓሳባትን ውን ካብኡ ዘይፍለ እዩ። ልክዕ ከምቲ ኣልኮሊዛታ ብዛዕባ ኣልኮላዊ-መስተ ጥራይ ዝሓስብ፡ ፍኑው ኣዘውታሪ ጾታዊ-ርክብ ውን ሓሳቡ ብስጋዊ-ርክብ ዝተባሕተ እዩ። እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ፍልልይ ግን፡ ሰባት ጥዕንኦም ምሉእ ንኽኸውን ኣልኮላዊ-መስተ ኣየድልዮምን እዩ። ንጾታዊ-ርክብን ቅርበት ምስ ትረጻራሪ ጾታን ብዝምልከት ግን፡ ዝተፈላለየ ድልየታት ኣለና። ስለዝኾነ ከኣ፡ ሓደ ሰብ ውሉፍ ጾታዊ-ርክብ ድዩ ወይ’ሲ ሓያል  ጾታዊ-ድርኺት እዩ ዘለዎ ምፍላይ ኣጸጋሚ ይገብሮ።

ፍኑው ዝውተራ ጾታዊ-ርክብ፡ ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ ይኹን ደቂ-ተባዕትዮ ዝርአ ተርእዩ እዩ። ጾታዊ-ርክብ ብፍኑው ዘዘውትር ሰብ፡ ስርሑ ወይ ውን ትምህርቱ ከሳልጥ ይጽግሞ፡ ጥዕንኡ ወይ ውን ዝምድናታቱ ውን ይሃሲ። ፍኑው ኣዘውታሪ ጾታዊ-ርክብ ኣብ ልዕሊ ንጾታዊ ድፍኢቱ ልጓም ክገብረሉ ኣይክእልን እዩ። ነዚ ተግባር ብተደጋጋሚ ክፍጽምዎ ዝድርኾም ወልፍን ድፍኢትን ኣሎ። እዚ ንኣብነት፡ ግብረ-ሕቡእ ብፍኑው ምዝውታር፡ ወሲባዊ ንጥፈት ዘርኢ ፊልሚታት ምርኣይ፡ ኣብ እዋን መጻምዲ ምህዳን ፍዉስ ናይቲ ነገር ምዃን፡ ብተሌፎን ወሲባዊ ንጥፈት ምክያድ፡ ምስ ዘይትፈልጦም ወይ ኣመንዝራታት ጾታዊ-ርክብ ምፍጻምን ካልእን ከጠቓልል ይኽእል። ምስ ግዜ ውሉፍ ወይ ግዙእ ናይቲ ነገር እንዳኾንካ ትኸይድ።

እዚ ንህይወተይ ብኸመይ ይጸልዎ?

ጥዒናዊ ዘይኮነ ጥርዙ ዝሓለፈ ባህጊ ጾታዊ-ርክብ ምህላው፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ናይ ሓደ ሰብ ዘዕርፎ ጽልዋ ከቢድ እዩ። ዝውተራ ጾታዊ-ርክብ ከኣ ከም ሳዕቤኑ፡ ኣሉታዊ ስምዒታት ከም ዘይምቕሳን፡ ሻቕሎት፡ ጭንቀትን ቃዝኖትን ክወልድ ምርኣይ ንቡር እዩ። ብዙሓት ውን ብዛዕባ`ቲ ጾታዊ ክውንነቶም የማርሩ። ኣብ ገለ ገለ እዋናት ውን፡ ምርሓቕ ክውነነት ዘመላኽት ባህርያት ጌሮም ይወስድዎ። ኣብ መወዳእታ፡ ምስ ውርደት፡ ባዶነትን ሻቕሎትን ዝተተሓሓዙ ስምዒታት ክቕልቀሉ ዘይተርፍ ይኸውን።

ጾታዊ-ርክብ ብፍኑው ዘዘውትር ሰብ፡ ርውየት ስምዒት ብቐዳምነት ስለዝሰርዖ፡ ነቲ ግዳይ ንዓበይቲ ሓደጋ ክሳጣሕ ይገብሮ። ኣዘውተርቲ ፍኑው ጾታዊ ርክብ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣመንዝራ ዝተዋፈሩ ምስ ዝኾኑ፡ ንብዙሕ ጥዕናዊ ጸገማትን ገበናዊ ሽግራትን ክቃልዑ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ። ግዳይ ናይዚ ዝኾነ ሰብ ኣብ ዝድምና ክጸንዕ ዓቕሚ ስለዘይህልዎ፡ ብኸውሊ ድልየታቱ ከርዊ ኣብዝን ኣብትን ይብል። መብዛሕትኦም ኣዘውተርቲ ፍኑው ጾታዊ-ርክብ፡ ዝበዝሕ እዋን ካልእ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማማት ውን ኣለዎም።

ክመሓየሽ ተኽእሎታት ኣሎ’ዶ?

ፍኑው ዝውተራ ጾታዊ-ርክብ፡ ሰባት ኣፎም መሊኦም ክዛረቡሉ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ልዕሊ ግዳያትን ቤተ-ሰቦምን ዘትርፎ ናይ ውርደትን ዝወረደካ ምቕባልን ስምዒታት ቀሊል ኣይኮነን። መጻምዲ ናይቲ ግዳይ፡ ነቲ ፍኑው ዝውተራ ጾታዊ-ርክብ ጒድለት ዕጋበት ዝፈጠሮ ጌሩ ስለዝወስዶ፡ እቲ ዝያዳ ተሃሳዪ ክኸውን ይገብሮ። እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ኣይኮነን። እቲ ፍኑው ዝውተራ ጾታዊ-ርክብ ኣብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኩነት፡ ናይቲ ግዳይ ዝተመርኮሰ እዩ። እቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገር ከኣ፡ እቲ ግዳይ ጸገሙ ፈሊጡ ሓገዝ ክሓትት ኣለዎ። ኣብዚ መስርሕ`ዚ ኸኣ፡ ቤተ-ሰብ ግዳይ ኣገዳሲ ተራ ክጻወቱ ይኽእሉ።

ሓገዝ ወይ ውን ድጋፍ ምስ ዘድልየኩም ንኣገልግሎት-ጥዕና ተወከሱ። ብዕድመ ትሕቲ 23 ዓመት ምስ እትኾኑ፡ ምስ መቐበሊ ማእከል መንእሰያት ክትራኸቡ ትኽእሉ። ነዚ ጉዳይ ብምዝልከት፡ ድጋፍ ክትረኽቡሉ እትኽእሉ ብርክት ዝበለ መስመራት ቴለፎን ውን ኣሎ እዩ። እቲ ዝግበረልኩም ፍወሳ ብመልክዕ ዝርርባዊ-ተራፒ ክካየድ ይኽእል። ኣብ ገለ እዋናት፡ ሆርሞናት ዘህድእ መድሃኒታት ወይ ውን ሲካትሪያዊ ፍወሳ ኣብ መስርሕ ምሕዋይ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ።