Ge en gåva

ወልፍ ጸወታ-ቁማር

ብዙሓት ሽወደናውያን ምስ ናይ ገንዘብ ጸወታታት ቁማር ጸገም ኣለዎም። ብሰንኪ እዚ ኸኣ ወልፊ-ጸወታ ቁማር ከማዕብሉ ተኽእሎታት ኣሎ። ኣብ ማሺን ከምኡ ውን ብኢንተርነት ዝካየድ ጸወታታት፡ ገለ ካብቶም ቀንዲ ውሉፍ ክገብሩኻ ዝኽእሉ ጸወታታት እዮም። እዞም ወልፍታት እዚኣቶም ምስ ወልፊ ኣልኮላዊ-መስተን ሓሺሽን ከነወዳድሮ እንኽእል ሕማም ክትሓምም ይገብሩኻ።

ወልፊጸወታ ቁማር እንታይ እዩ?

ኣስታት 2% ናይ ኣባጽሕ ሽወደን ብሽግር ጸወታን ወልፊጸወታ ቁማርን ዝተንጸላለዉ እዮም። ናይ ጸወታ ሽግር ክንክብል እንከለና፡ ኣብ ህይወትና ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘኸትል መእሰሪ ዘይብሉ ወይ ፍኑው ጸወታ ማለትና እዩ። ንጥዕናና፡ ማሕበራዊ ህይወትና ዝሃሲ ኮይኑ፡ ኣብ ቁጠባዊ ሽግራት ክንኣቱ ይገብረና። ናይ ጸወታ ሽግር ዘለዎ ሰብ፡ ሕማም ወልፊጸወታ ውን ክሕዞ ይኽእል።

ወልፊጸወታ ቁማር ወይ ውን ዘይዕገት ወልፊቁማር፡ ምስ ወልፊታት ኣሎኮላዊመስተን ድሮጋን ክነወዳድር እንኽእል ኣእምሮኣዊ ሕማም እዩ። ልክዕ ከምቶም ካልኦት ወልፊታት፡ ወልፊቁማር ውን ንወሃቢ ፍረጻማ ዝኾነ ክፋል ኣእምሮና ከምዝመዛበል ይገብሮ። ሓደ ሰብ ቁማር ክንክዮ ወይ ውን ክገድፎ ኢሉ ምስ ዝፍትን እሞ ምስዘይክእል፡ በዚ ሕማም ተጠቂዑ ኣሎ ክንብል ንኽእል። ነቲ ናይ ጸወታ ወልፊኻ ከትርዊ ምስዘይትኽእል ከኣ፡ ምዕልባጥን ቁጥዐን ይፈጥረልካ።

ካልእ መለለዪታት ሕማም ወልፊቁማር፡ እትጻወተሉ ገንዘብ እንዳኣዛየድካ ምኻድ፡ ምስ ተበላዕካ ሕነ ክትፈዲ ምድላይ፡ ቀጻሊ ብዛዕባ ቁማር ምሕሳብ ወይ ውን ንቑማር ዝኾነካ ገንዘብ ብኸመይ ትረክብን ዝብል ይርከቦ። ብዙሓት ሰባት፡ ኣሉታዊ ዝኾነ ስምዒታት ከም ሻቕሎት ወይ ውን ቃዝኖት ንምውጋድ ኢሎም እዮም ቁማር ዝጻወቱ።

ጸወታቁማር ንህይወተይ ብኸመይ ይጸልዎ?

ጸወታቁማር፡ ነቲ ግዳይ ናቱ ዝኾነ ሰብን ኣብ ዝርዩኡ ዝርከቡ ሰባት`ዩ፡ ብዝያዳ ብኣሉታ ዝጸልዎም። ወልፊቁማር ንምኽዋል፡ ብዙሓት ወልፈኛታት ንቤተሰቦምን የዕሩኽቶምን ይሕስዉዎም። ኣብ መወዳእታ ግን፡ እቲ ግዳይ ዝኣትዎ ቁጠባዊ ዕዳታት ኣዝማዱ እዮም ክኸፍልዎ ዝግደዱ። እዚ ኸኣ ብዙሕ ዝምድናታት ይሃሲ። ንቁማር ከም እንኮ ኣገዳሲ ነገር ጌሩ ዝሰርዖ ሰብ፡ መቋመሪ ዝኾኖ ገንዘብ ንኽረክብ ገበን ክፍጽም ድሕር ኣይብልን እዩ። ኩነትህይወት ስለዝቕየር ከኣ፡ እቲ ሰብ ክሰርሕ ይኹን ክመሃር የጸግሞ።   

ብዙሓት ወልፈኛታት ካልእ ስነኣእምሮኣዊ ጸገማት ከም ሻቕሎት፡ ጸቕጢ ወይ ውን ፍኑው ምዝውታር ኣልኮላዊመስተ ውን ኣለዎም። እዚ ኸኣ፡ ንቁማር ናፍታ ኮይኑ ከም ዝንህር ይገብሮ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ውለፊ ገንዘብ ንምብላዕ ዘይኮነ፡ ፍረጻማዊ ክፍሊት ካብ ኣእምሮ ንምርካብ ዝዓለመ እዩ።

ካብዚ ሽግር ክገላገል ይኽእል`?

ወልፊጸወታ ቁማር፡ ሓደ ካብቶም እንዳኣስፋሕፍሑ ዝመጹ ዘለዉ ህዝባዊ ጥዕናዊ ጸገማት ኮይኑ፡ ሕጊ ክወጽኣሉ ውን ተጌሩ ኣሎ። ካብ ጥሪ 2018 እቶም ውልፊጸወታ ቁማር ዘለዎም ሰባት፡ ልክዕ ከም ውሉፋት ኣልኮላዊመስተን ድሮጋን፡ ተመሳሳሊ ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰል ክህልዎም እዩ። እዚ ስጉምቲ`ዚ፡ ጸወታቁማር ብዝምልከት እቲ ሕብረተሰብ ናቱ ሓላፍነት ይወስድ ማህላዉ ዘመላኽት እዩ። 

ጊላ ጸወታቁማር ምዃን፡ ንህይወትካ ብብዙሕ መኣዝናት ዝሃሲ እዩ። እቲ ግዳይን ቤተሰቡን፡ ካብዚ ሽግር ወጺኦም ናብ ንቡር ንኽምለሱ፡ እቲ ግዳይ ነቲ ጸወታ ብቕጽበት ደው ከብሎ ኣለዎ። ነቲ ኣብ ኢንተርነት ዝጽወት ጽወታ ቁማር፡ ደው ከተብሎ ትኽእለሉ መንገዲ ኣሎ እዩ። ኮምፕዩተርን ሞባይልን ናይቲ ግዳይ ንዝተወሰነ ግዜ መንጢልካ ብምሓዝ ውን፡ ነዚ ደው ከተብሎ ትኽእል ኢኻ።

ድጋፍ መቕርብን፡ ምስ ካልኦት ወልፊቁማር ዘለዎም ሰባት ምዝራብ ጽቡቕ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ካብ ተነጽሎ ከውጽኣካ ውን ይኽእል እዩ። ካልእ ትርጉም ዘለዎ ነገራት ምግባር ውን ንኣእምሮኻ ካብ ብቁማር ምሕሳብ ክሰርቆ ይኽእል እዩ።

ምንጻር ሕማምን ፍወሳን

ሓኪም ወይ ውን ስነኣእምሮኛ፡ እቲ ውሉፍ ብርክት ዝበሉ ናይቲ ሕማም ምልክታት ኢሉ ምስ ዝግምግም፡ ነቲ ሕማም ከነጽሮ ምርመራ ክገብር ይኽእል። ንስኻትኩም ወይ ውን ቤተሰብኩም ብወልፊቁማር ይርመስ ኣሎ ኢልኩም ምስ እትጥርጥሩ፡ እሞ ኸኣ ኩነተወልፊ ንምግምጋም ምስ እትደልዩ ምስ ማእከልጥዕና ከባቢኹም ውይ ምስ ክፉት መቐበሊ ሲካትሪያዊ ክንክን ክትዘራረቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ከኣ ንሳቶም ነቲ ውሉፍቁማር ናብ ኪኢላ ውልፊቁማር ዝኾነ ሓኪም ከመሓላልፍዎ ይኽእሉ። 

ኣተባባዒ ዝርርብ (Motiverande samtal) ከምኡ ውን ተገንዝቦኣዊ ፍወሳ ባህርን (kognitiv beteendeterapi (KBT) ክልተ ካብቶም ወልፊቁማር ንምፍዋስ እንጥቀመሎም ኣገባባት እዮም። እቲ ፍወሳ፡ ብውልቂ፡ ብእኩብ ወይ ውን ብመንገዲ ኢንተርነት ክካየድ ይኽእል። ኩነታትካ ተኸታቲልካ ኣብቲ ጸገም ዳግማይ ከይትወድቕ ነፍስኻ ምሕላው ውን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።