- Other languages
ስእነት ኣእምሮኣዊ-ጥዕና እንታይ እዩ?
ከም ሻቕሎትን ቃዝኖትን ዝኣመሰሉ ኣእምሮኣዊ ጸገማት፡ ተኸተልቲ ሳዕቤናት ሃልኪ ዝበዝሖ ህይወት ኮይኖም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ውን ይስወሩ እዮም። ኣብ ህይወት ከጋትሙ ዝኽእሉ ተራ ጸጋማት ምስ ሕማም ከተሓሕዝዎም የልኩምን። ጸገማትካ ከሎ ጌና ከይበኣሰ እንከሎ፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ምሕታት ንመንነት ናይቲ ሕማም ንምንጻር ኣብ ዝግበር መርመራታት ሓጋዚ እዩ።
ኣእምሮኣዊ–ጥዕና ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም
ኣእምሮኣዊ ጥዕና እንታይ ዘጠቓለለ እዩ ዝብል ሕቶ፡ ተመራመሪ ክካትዑሉ ይርከቡ። እቲ ስያመ ግን፡ ኩሉ ገጻት ናይ ጽቡቕ ኩነተ–ጥዕና ወይ ዝሓቁፍ ኣርእስቲ እዩ። ንኣብነት፡ ስምዒታዊ፡ ስነ–ኣእምሮኣውን ከምኡ ውን ማሕበራዊ–ሃለዋት። ብመሰረት መብርሂ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣእምሮኣዊ–ጥዕና፡ ዝኾነ ውልቀ–ሰብ ዘሎ ዕድላት ዝምዝምዘሉ፡ ካብ ካብ ተጽዕኖን ሃልክን ነጻ ዝኾነሉ፡ ሰሪሑ ብምፍራይ ንዘለዎ ሕብረተ–ሰብ ዘበርክተሉ ኣእምሮኣዊ ኩነት እዩ። ስለዚ ኣእምሮኣዊ–ጥዕና፡ ክንዮ ካብ ኣእምሮኣዊ ጸገማት ነጻ ምዃን ዝኸይድ ትርጉም ዝሓዘ ኮይኑ፡ ውልቃዊ ተመኲሮታት ናይ ሓደ ውልቀ–ሰብን፡ ኣብ ሞንግኡን ኣብ መንጎ እቲ ዝነብረሉ ማሕበራዊ ሃዋህውን ዘሎ ዝምድናታትን ዘጠቓለለ እዩ።
ኣእምሮኣዊ–ጥዕናን ስእነት ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ብሓንሳብ ተጎራቢቶም ክመጹ ይኽእሉ እዮም
ኣእምሮኣዊ–ጥዕና እንታይ የጠቓልል ዝብል ንጹር መግለጺ የብሉን። መብዛሕትኦም ዝሰማምዑሉ ግን፡ ካብ ኣእምሮኣዊ ሕማማት ወይ ጸገማት ነጻ ምዃን ጥራይ ዘስምዕ ከምዘይኮነ ዝብል እዩ። ኣእምሮኣዊ–ጥዕና ከም ሓደ ፍሉይ ኩነት እዩ ዝግለጽ። እቲ ውልቀ–ሰብ ሕጉስ፡ ምስ ነብሱ ይኹን ምስ ካልኦት ከምኡ ምስ ሕብረተ–ሰብ ዘለዎ ሃዋህው ጽቡቕ ክኸውንን ዘኽእሎ፡ ኩሉ መኣዝናት ኣተሃላልውኡ ውሁድ ክኸውን ኣለዎ። ገለ ተመራመርቲ፡ ኣእምሮኣዊ–ጥዕናን ስእነት ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ብሓንሳብ ተጎራቢቶም ክመጹ ይኽእሉ እዮም፡ ይብሉ።
ኣእምሮኣዊ ዘይምጥዓይ (ሕማም) ብኸመይ ይንጸር?
ሕሱም ስነ–ኣእምሮኣዊ ዘምጥዓይ፡ ዝተፈላለየ መለለዪታት–ሕማም መሰረት ጌርካ ክንጸር ዝኽእል ሲካትሪያዊ–ኩነት እዩ። ሓደ ኣብነት፡ ካብዚ ኣብ መለለዪታት–ሕማም ዝተሰረተ ንምንጻር ሕማማት ዘገልግል ስርዓት፡ እቲ ኣህጉራዊ ክወማ (ምደባ) ሕማማት (International Classification of Diseases) ዝተሰምየ ስርዓት እዩ። ካልእ ኣብነት ናይ ስፍሕ ዝበለ ስርዓት መለለዪ–ሕማማት እቲ ብኣመሪካዊ ማሕበር ሲካትራውያን (American Psychiatric Association)ዝተዳለወ ማንዋል ወይ መምርሒ ኣእምሮኣዊ ምምዝባላት ዝተሰምየ (Diagnostic and Statistical Manual of Mental Disorders) ስርዓት እዩ። ብዓይኒ ፍወሳዊ–ኣገልግሎት ክርአ እንከሎ፡ እዚ ድሒሩ ዝተጠቕሰ ማንዋል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ወጻኢ ውን የገልግል እዩ። ኣብ ጽላት ክንክን–ጥዕና ሽወደን ብዕሊ ዘገልግል ማንዋል ግን፡ እቲ ICD ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማንዋል እዩ።