Ge en gåva

መትነ-ሲካትሪያዊ መኽሳእትን ፈርፈርታ

መትነ-ሲካትሪያዊ መኽሳእትን ስውየትን (Tourettes syndrom och tics) ብዕድመ 7 ዓመት ክትመልእ እንከለኻ ዝርአ ጸገም ኮይኑ፡ ቀንዲ መበገሲኡ ኸኣ ኣብ ሓንጎል ዘጋጥም ምምዝባል እዩ። ጸገምካ ተራእዩ ሕማምካ ክንጸረልካ ምግባር፡ ብፍላይ ከም ወላዲ ናይቲ ህጻን መጠን፡ ናይ ሕልፈት ፍርዲ ክቊጸር ይኽእል እዩ። እቲ ሓቂ ግን ብኣንጻሩ እዩ። መብዛሕትኦም ግዳያት ካብዚ ጸገም ተላቒቖም፡ እቲ ጸገም ዳግማይ ከይቕልቀሎም ውን ክቆጻጸርዎ ይበቕዑ።

መትነ-ሲካትሪያዊ መኽሳእቲ እንታይ እዩ?

መትነ-ሲካትሪያዊ መኽሳእቲ፡ ምስቶም መትነ-ሲካትሪያዊ ዕዮኣዊ ስንክልናታት ተባሂሎም ዝጽውዑ እኩብ ጸገማት ዝጽንበር ጸገም እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ሓደ ካብቶም ሓንጎል ከምቲ ዝድለ ብዘይምስርሑ ዝፈጠሩ ዝተፈላለዩ ጸገማት ሓደ እዩ። ነዚ መኽሳእቲ`ዚ ብዝምልከት፡ እቲ ዝፍጠር ጸገማት ከም ሞተራውን ናይ ቃላትን ባህሪ ዘለዎ ፈርፈርታ እዩ። ፈርፈርታ ክንብል እንከለና፡ ነጸብራቓዊ ምልክታት፡ ከም ጭምጭምታ ዓይኒ፡ ናዕናዕታ መንኮብ ወይ ውን ነገራት ምትንካፍን፡ ማለትና እዩ። ከም ትስዕል፡ እሒሕ ትብል ወይ ውን ተፋጺ ምድላይ ውን ክመስል ይኽእል እዩ።

ብዙሓት ሰባት፡ ንፈርፈርታ፡ ምስ ኣነዋሪን ኣብዘይለዓቱን ዝኾነ ቃላት ምውርዋር የዛምድዎ። እዚ ኸኣ ኮፕሮላሊ (koprolali) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ፡ ኣብ ኩሎም ግዳያት መትነ-ሲካትሪያዊ ጸገማት ዝኾኑ ሰባት ዝርአ ጸገም ውን እዩ።

ፈርፈርታ፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ግዜ ንእስነት ካብ 5 ክሳብ 7 ኣብ ዘሎ ክሊ-ዕድመ ዝቕልቀል ጸገም እዩ። ኣብዚ ዕድመ`ዚ ምቕልቃሉ ግን፡ እቲ ህጻን በዚ ሕማም ክጥቃዕ እዩ ማለት ኣይኮነን። ባዕሎም ምስ ግዜ ዝጠፍኡ ፍወሳ ውን ዘየድልዮም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ሕማም መትነ-ሲካትሪያዊ መኽሳእቲ ክንጸር ምእንቲ፡ እቲ ግዳይ ብዘይምቊራጽ ንሓደ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ብፈርፈርታ ዝተንጸላለወ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ሕማም መብዛሕትኡ ግዜ ናወዳት ዘጥቕዕ ኮይኑ፡ ብትውልዲ ዝውረስ ሕማም ውን እዩ።

ህይወተይ በዚ ሕማም ብኸመይ ክጽሎ ይኽእል?

መትነ-ሲካትሪያዊ መኽሳእቲ፡ ነቶም ፋልማዮም ትምህርቲ ዝጀመሩ ህጻናት ኣዝዩ ከሸግሮም ይኽእል እዩ። ብዜካ ፈርፈርታ፡ ጸጋማት ምትኳር፡ ልዑል ንቕሓት፡ ናይ ምንባብ ጸገማት ውን ከኸትል ይኽእል እዩ። ባህርያት ናይቲ ሕማም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክፈላለ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ኣብ ገለ እዋን ፈርፈርታ ቀጻሊ ይኸውን፡ ኣብ ካልእ እዋን ከኣ፡ ምልክታት ናይቲ ሕማም ዝጥፍኣሉ ግዜ ኣሎ። ጸቕጢ ነዚ ሕማም ከነጣጥፎ ይኽእል እዩ።

እቲ ግዳይ ዕድመ ኣዳም ክበጽሕ እንከሎ፡ ምልክታት ናይዚ ሕማም እንዳነከየ ይኸይድ ወይ ውን ምሉእ ብምሉእ ይጠፍእ። ከምዚ ምስዘየጋጥም፡ መብዛሕትኦም ሰባት፡ ነቲ ፈርፈርታ ከባቢኦም ክሳብ ዘይርእዮ፡ ክቆጻጸሮው ይበቕዑ። ነቲ ፈርፈርታ ትቆጻጸኢሮማ ብምውዓል ከኣ ኣብ ገዛ ምስ ተመልሱ ነጻ ይገድፍዎ። ብዙሓት ሰባት በዚ ሕማም ተጠቒዕም እንከለዉ፡ ጽቡቕ ማሕበራዊ ህይወት የሕልፉ እዮም። ኣብ ክርደኣካ ዝኽእል ከባቢ ዝበቆልካ ምስ እትኸውን ውን፡ ንመዓልታዊ ህይወትካ የቓልለልካ እዩ።

ብመትነ-ሲካትሪያዊ መኽሳእቲ ዝተጠቕዐ ሰብ፡ ግዳይ ሃንደበታውነት፡ ጥሩፍ ኣስገዳዲ ሲንድሮም (tvångssyndrom)፡ ሻቕሎትን ጸቅትን ይኸውን። እዚ ሕማም ንተውህቦን ብልሓትን ናይቲ ግዳይ ዝትንክፍን ኣይኮነን። ኣብ መንጎ መትነ-ሲካትሪያዊ መኽሳእትን ሙዚቃዊ ተውህቦን ምትእስሳር ከይህሉ ተባሂሉ ብሙዝ-ኣርቲ ተዘሪቡሉ እዩ።

ሕክምናዊ ረድኤት ክሓትት ኣለኒ`ዶ?

ብፈርፈርታ ንነዊሕ ግዜ ዝተጠቕዐ ህጻን ምስ እትርእዩ፡ ሕክምናዊ ረድኤት ክትሓቱ ኣለኩም። እቲ ህጻን ዘርእዮ ጸገማት ኣብ ምንታይ ዝምርኮስ ምዃኑ፡ ባዕልኹም ወዲእኩሞ ክትመጹ ኣይትኽእልን ኢኹም። እቲ ህጻን ቅልጢፉ ሕክምናዊ ረድኤት ምስ ዝሓትት፡ ምስ ግዜ እቲ ሕማም ንምቊጽጻሩ ቀሊል ይኸውን። ኣብ ከባቢ ናይቲ ግዳይ ዝርከብ ሰብ፡ ነቲ ሕማም ዝምልከት ሓበሬታን ፍልጠትን ብዛዕባ`ቲ ሕማም ዝዓጠቐ ሰብ ምስ ዝኸውን፡ ጠባያት ናይቲ ግዳይ ብድልየቱ ዝቐየያየር ከምዘይኮነ ክርድኡ ይኽእሉ።

ከከም ዕድመ ናይቲ ህጻን ምስ መእከል-ጥዕና፡ ክንክን ጥዕና ቤት-ትምህርቲ፡ ክፍሊ ሲካትሪያዊ ክንክን ህጻናትን ኮተቴን ወይ ውን ክፍሊ ክንክን ጥዕና ህጻናት፡ ተራኺብኩም ክትዘራረቡ ትኽእሉ። መንነት ናይቲ ሕማም ክንጸር ምእንቲ፡ መጀመርያ እቲ ሓኪም እቲ ፈርፈርታ ካልእ ነገር ዝፈጠሮ ከምዘይኮነን፡ እቲ ግዳይ ውን ብሞተራውን ናይ ቃላትን ባህሪ ዘለዎ ፈርፈርታ ይሳቐ ምህላዉ ከረጋግጽ ኣለዎ።

እቲ ፍወሳ ከመይ ይመስል?

እቲ ነቲ ህጻን ዝወርዶ ናይ ፈርፈርታ ጸገም ዕዮኣዊ ዕንቅፋታት ዝፈጥር ዝመስል ምስ ዝኸውን፡ ክግበረልኩም ዝኽእል ክኢላዊ ድጋፍ ኣሎ እዩ። ብዜካቶም ተወሰኽቲ ድጋፋት፡ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ውን ተገንዝቦኣዊ ባህርኣዊ ፍወሳ (kognitiv beteendeterapi (KBT) ንሕማም መትነ-ሲካትሪያዊ መኽሳእቲ ኣብ ምፍዋስ ውጽኢታዊ ኮይኑ ክርከብ ይኽእል እዩ። ነቲ ሕሙም ንምድጋፍ ካብ ዝብል ውን ቤተ-ሰብ ናይቲ ግዳይ ውን ድጋፍን ትምህርትን የድልዮም እዩ።