Ge en gåva

ዝተጣለለ ጭብጢ

ኣብዚ ክፋል`ዚ፡ ነቶም ልሙዳት ዝኾኑ መለለዪታት ሕማማት ኣእምሮን ኣብ መጽሓፍ DSM-5, (Diagnostic and statistical manual of mental disorders, 5th ed) ተጠቒሶም ዝርከቡ መትኒኣዊ-ሳይካትርን ዝምልከት ዝተጣለለ ጭቡጥ ሓበሬታ ኣለኩም። መጽሓፍ DSM-5፡ ሲካትራውያን ሓካይም ንመለለዪታት ናይዞም ሕማማት ከምርምሩ እንከለዉ ዝጥቀሙሉ መዐቀኒ ቅጥዒ ኣስፊሩ ይርከብ። ኣብቲ መለለዪታት ኣእምሮኣዊ-ሕማማት ዝብል ኣርእስቲ፡ መትነ-ሲካትሪያዊ ባህሪ ዘይብሎም መለለዪታት ኣእምሮኣዊ ሕማማት ዝምልከት ዝተጣለለ ጭብጢ ኣለኩም። ንተመሳሳሊ ኩነት ዝምልከቱ ፍሉይ መለለዪታት ወይ ቅጥዒታ ዘይብሎም ግን ከኣ ንኣእምሮኣዊ ጥዕናና ዝጸልዉ ነገራት ዝምልከት ውን ዝተጣለለ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ። ገለ ኣብነታት ናይዞም ተዛመድቲ ኩነታት፡ ወጽዓ፡ ጓህን ቅልውላውን ክጥቀሱ ይኽእሉ።