Ge en gåva

ጭንቀት

ኣብ ገለ እዋናት ምጭናቕን ኣዚኻ ምድካምን ዘይልሙድ ነገር ኣይኮነን። ኣካል ህይወትና እዩ። ዝኾነ ዝምልከተካ ነገር ኣብ ዘይብሉ ወይ ውን ንነዊሕ ዝጸንሕ ባህጊ ናይ ሓደ ነገር ምስ ዝህልወኩም፡ ጭንቀት ኣጥሪኹም ክትህልዉ ትኽእሉ ኢኹም። ጭንቀት ዘወግድ ፈውሲ ኣሎ እዩ።  

ጭንቀት እንታይ እዩ?

ኣብ ውሽጢ ናይ ክልተ ሰሙን ግዜ መልታዊ ጓሂ ምስ ዝስመዓኩም፡ ምስ እትጭነቑ ወይ ውን ሓይልኹም ምስ ዝዓርበኩም፡ ጭንቀት ኣጥሪኹም ክትህልዉ ትኽእሉ ኢኹም። ጭንቀት፡ ናይ ምሕሳብን ምስማዕን ኣገባብኩም ክጸሉ ዝኽእል ኩነት-ምጽላእ እዩ።

ጭንቀት ዝሓዞ ሰብ ብቐሊሉ ይሓርቕን ናይ ምትኳር ጸገም ውን የጥሪን። ውሳኔ ናይ ምውሳድ ጸገም፡ ሻቅሎትን ከምኡ ውን ናይ ምድቃስ ጸገም ውን ክህልዎ ይኽእል።

ካብዚ ዘለኹዎ ኩነታት ወጺአ፡ ዝሓዊ ኣይመስለንን ኢልካ ምሕሳብ ልሙድ ጥራይ ዘይኮነ ምሉእ ሓቂ ጌርካ ውን ትወስዶ። ንነብስኻ ከም ፍሹልን ዋጋ-ዘይብሉን ጌርካ ምርኣይን፡ ንሰብ ከምዚ ይሰመዓኒ ኣሎ ኢለ እንተተዛሪበ እንታይ ክብለኒ እዩ ኢልካ ውን ትሻቐል። ሓደ ዓቢ መንደቕ ከተልዕል ትፍትን ከምዘለኻ ብድሕሪቲ መንደቕ ኮይንካ ግን ባዕልኻ ከምዝወደቕካ ይስመዓካ።

ሕማቕ እንዳተሰመዓካ እንከሎ፡ ማዕረ ክንደይ ዝኸውን ተጨኒቕካ ምህላውካ ውን ኣብ ዘይትፈልጠሉ ደረጃ ትበጽሕ። ኩሉ ናይ ህይወት ነገር ብዜካ ስቓይ ትርጉም የብሉን፡ ኣብ ዝብል ’’ሓቂ’’ ዕርዲ ትሕዝ። ኣብቲ ህሞት ከምዚ ዝስመዓካ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ጭንቀት ነቲ ኣብ ህይወት ተፍትውዎ ነገራት ’’ክትርስዑ’’ ይገብር። ብኸምዚ ኸኣ፡ እቲ ጭንቐት ኣብ ’’ናይ ሓሶት’’ ርዳኢት የእትወካ።

ዝተፈላለዩ ደረጃታት ጭንቀት

ጭንቀት፡ ፈኲስ፡ ማእከላይ ወይ ውን ዓሚቊ ክኸውን ይኽእል። ፍኹስ ዝበለ ጭንቀት፡ ሕማቕ ክስመዓካ ይገብር እኳ እንተኾነ፡ ምስዚ ኹሉ ግን መዓልታዊ ህይወትካ ብዘይዝኾነ ጸገም ከተሓልፎ ትኽእል። ማእከላይ ጭንቀት መዓልታዊ ህይወት ክትኣልዮ ኣጸጋሚ ዝኸውን እኳ እንተኾነ፡ ኣገዳሲ ዝበሃል ነገራት ምስላጥ ግን ኣይድርትን እዩ። ዓሚቊ ጭንቀት ዘለዎ ሰብ ካብ ዓራት ክትስእ ውን የጸግሞ። ተሌፎን ምድዋል፡ ፖስጣ ምኽፋት ዝኣመሰሊ ቀለልቲ ነገራት ውን ክትዓዮም ዘይትኽእል ኣዝዮም ከበድቲ ኮይኖም ይስምዑኻ።

ምንባር ይትረፈኒ ዝብል ስምዒታት ይወርሰካ። ስቓይካ ከምዘይውዳእ ጌርካ ትወስዶ፡ ብዜካኻ ከምኡ ዝስምዖ ሰብ ከምዘየለ ውን ትቆጽሮ። ንመቕርብካ ውን ዘይምህላወይ ይሓይሽ ዝብል ስምዒት ይብሕተካ። ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ስምዒት ምስ እትጥሕሉ በይንኹም ኣይትኹኑ። ብቐጥታ ውን ሕክምናዊ ረድኤት ሕተቱ።

ክግበረልኩም ዝኽእል ሓገዝ ኣሎ እዩ

ጭንቀት ዘጥፍእ ፍወሳ እዩ። ጭንቀት ዘጥፍኡ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ፍወሳ፡ ከም ስነ-ኣእምሮኣዊ ፍወሳ ከምኡ ውን መድሃኒታዊ ፍወሳ፡ ኣለዉ። ኣብ ገለ እዋናት፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ፍወሳ ምስ መድሃኒታት ኣንጻር-ጭንቀት ሓዊስካ ክትግበር ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ጭንቀት ኣለኒ ኢልኩም ምስ እትጥርጥሩ፡ ሕክምናዊ ረድኤት ሕተቱ። ማእከል ጥዕና ኣበይ ይርከባ ንምርኣይ ኣብ 1177 ዝብል ገጽ ኣብ ኢንተርነት ኣቲኹም ክትርእይወን ትኽእሉ ኢኹም። ሕክምናዊ ረድኤት ምሕታት ዘሰክፈኩም እንተኾይኑ፡ ምስ ህክምና ክትራኸቡ ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ሰባት ክሕግዙኹም ሕተትዎ። ህይወትኩም ንምሕላፍ ዝደፋፋእ ደረጃ ዘብጽእ ጭንቀት ምስ ዝውሕጠኩም ወዓል-ሕደር ዘይብሉ ብቕጽበት ናብ ማእከል ህጹጽ ረድኤት ሲካትሪያዊ ክንክን ኣምርሑ። ወይ ውን ናብ 112 ደውሉ።

ጽቡቕ ክስምዓኒ መታን ባዕለይ እንታይ ክገብር ኣለኒ?

ጭንቀት ዘለዎ ሰብ፡ ነብሱ ክከናኸን ከጸግሞ ይኽእል እዩ። ዋላ ይኽበድ፡ መግቢ ክትበልዑን ክትድቅሱን ግን ኣለኩም። ዋላ ኣብቲ ከባቢኹም ኮለል ኢልኩም ተመለሱ፡ መዓልታዊ ግን ደገ ክትወጽኡ ፈትኑ። ዋላ ንግዚኡ ዝፈኾሰኩም ዘምስል እኳ እንተኾነ፡ ካብ ኣልኮላዊ መስተ ግን ብዝተኻእለ መጠን ተቆጠቡ።

ምስ ሰብ ምዝራብ፡ ምጽሓፍን ሙዚቃ ምስማዕን፡ ገለ ካብቶም ደሓን ክስመዓኩም ወይ ውን ክፎኽሰኩም ዝገብሩ፡ ንጥፈታት እዮም። ጭንቀት ይጠፍእ እኳ እንተኾነ ክምለስ ግን ይኽእል እዩ።

ፍወሳ ጭንቀት፡ ለውጢ ኣርእየ ኢልኩም፡ ከሎ ገና ከተቋርጽዎ የብልኩምን።

ኣብ በይንኻ ጥራይ ዝወረደ ኣይኮነን

ግዳያት ጭንቀት ኮይኖም፡ ድሒሮም ካብኡ ዝተገላገሉ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ጭንቀት፡ ኣብዚ እዋን ሓደ ካብቶም ቀንዲ ምኽንያታት ዕረፍቲ-ሕማም እዩ። ናይ ሕማም-ዕረፍቲ ምውሳድ ምልክት ድኻም ወይ ውን ፍሽለት ዘይኮነ፡ ብኣንጻሩ እዩ። ንነብስኽእ ኣብ ደሓን ኩነታት ንኽምለስ እትህቦ ግዜ ናይ ዕረፍቲ እዩ።