Ge en gåva

ናይ ራዕዲ ኣዝህንህኖት

ናይ ራዕዲ-ጥዕዓት ብተደጋጋሚ የጋጥመኩም ምስ ዝኸውን ወይ ውን ናይ ራዕዲ ጥቕዓት ደጊሙ ከለዓዕለልኩም ኣብ ዝደፋፋእ ኩነታት ከይትወድቁ ምስ እትሻቐሉ፡ በቲ ናይ ራዕዲ ኣዝህንህኖት ዝተስምየ ሕማም (paniksyndrom) ተጠቒዕኩም ክትህልዉ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ከምዚ ተጠቕሰ ኩነታት ምስ እትርከቡ፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ካብ ምሕታት ድሕር ኣይትበሉ። ንናይ ራዕዲ ናዝህንህኖት ዝቓለስ ፍወሳ ኣሎ እዩ።

ናይ ራዕዲ ኣዝህንህኖት እንታይ እዩ?

ሃንደበት ዘየላቡ ሻቕሎት ምስ ዝወረኩምን፡ ኣብ ውሽጥኹም ንቡር ዘይኮነ ሓይሊ ምስ ዝስመዓኩምን፡ ግዳያት ናይ ራዕዲ ዝተሓወሶ ሻቕሎት (panikångest) ኮይንኩም ኣለኹም ማለት እዩ። ግዳይ ናይ ራዕዲ ዝተሓወሶ ሻቕሎት ዝኾነ ሰብ፡ ነቲ ጸገም ከም ኣካላዊ እምበር ከም ኣእምሮኣዊ ጌሩ ኣይወሶድን እዩ። እዚ ኸኣ ልሙድ እዩ።

ራዕዲ ዝተሓወሶ ሻቕሎት፡ ነቶም ክሃድሙ ወይ ውን ከምልጡ ዕድል ዘይብሎም ኣብ ድሩት ኩነታት ዝወደቑ ሰባት ዘጋጥሞም ልሙድ ተርእዮ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ሪጋ፡ ኣውቶቡስ ወይ ውን ኣብ ባቡር ኮፍ ኢሎም ኣብ ምጒዓዝ ዝርከቡ ሰባት።

ራዕዲ ዝተሓወሶ ሻቕሎት ብዝያዳ ኣብ ኣካላትና ዝስመዓና ኮይኑ፡ ምልክታቱ ኸኣ፡ ናህሪ ትርግታ ልቢ፡ ሕጽረት ትንፋስ ከምኡ ውን ጽርጽርው ምባልን እዩ። እዚ ጸገም ቀንዲ ኣብ ኣካላትና ስለዝመዓና፡ ኣእምሮኣዊ መልሰ-ተግባር’ዩ ኢልካ ክትድምድሞ ኣጸጋም ይኸውን። ገለ ኣካላዊ ጸገም፡ ከም መጥቓዕቲ-ልቢ፡ እዩ ኢልካዮ ክትሓልፍ እምበኣር፡ ልሙድ እዩ። እቲ ኣካላዊ መልሰ-ተግባር፡ ስርዓተ-መትኒና ኣብ ኣርዓዲ ኮይኑ እንረኽቦ ኩነታት ዘርእዮ ግብረ-መልሲ እዩ።

ተደጋጋሚ ጥቕዓት ራዕዲ ምስ ዘጋጥመኩም፡ እቲ ጸገም ናይ ራዕዲ ኣዝህንህኖት ክኸውን ይኽእል እዩ። ራዕዲ ዝተሓወሶ ሻቕሎት ኣዝዩ ሳሕቲ ዝቕልቀለኩም ምስ ዝኸውን፡ ናይ ራዕዲ ኣዝህንህኖት ኣለኩም ማለት ግን ኣየስምዕን እዩ።

ጽልዋ`ዚ ሕማም ኣብ ህይወተይ እንታይ እዩ?

ናይ ራዕዲ ኣዝህንህኖት ምስ ዝህልወኩም፡ ራዕዲ ዝተሓወሶ ሻቕሎት ከየጥቅዓኩም ኣዚኹም ስለዝእትፈርሑ፡ መዓልታዊ ህይወትኩም ክጽሎ ባህሪያዊ ይኸውን። እቲ ሻቕሎት ከየጥቅዓካ እተርእዮ ፍርሒ ንባዕሉ፡ ትጽቢታዊ-ሻቕሎት (förväntansångest) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ትጽቢታዊ ሻቕሎትኩም ኣዝዩ ዓሚቚ ምስ ዝኸውን፡ ህይወትኩም ብኣሉታ ዝጽለወሉ ተኽእሎ ኣዝዩ ዓቢ እዩ።

ከም ሳዕቤን ናይዚ ከኣ፡ ምውጻእ ከጸግመኩም ኢልኩም ዝገመትኩሞ ቦታታት ምውጋድ ትጅምሩ። ንኣብነት፡ እኩብ ህዝቢ ዘለዎም ቦታታት፡ ባቡር፡ ኣውቶቡስ ካብ ምጥቃም ትቊጠቡ።

ካብ ኣሸጋሪ ዝኾነ ኩነታት ምርሓቕ፡ ንሓጺር እዋን መፍትሒ ክመልስ ይኽእል እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ግን ሻቕሎት ከምዝብእስ ይገብሮ። ንሻቅሎት ኣብ ውሽጢኹም ዓቢ ቦታ ምስ እትህብዎ፡ ነቲ እትብህግዎ ህይወትኩም ክትነብሩ ዘኽእለኩም ንእሽቶይ ቦታ ጥራይ እዩ ክተርፈኩም።

መዓስ እይ ሕክምናዊ ሓገዝ ክሓትት ዘለኒ?

ኣብ ውሽጢኹም ዝስመዓኩም ሻቕሎት፡ ንህይወትኩም ይድርቶን ይቆጻጸሮን እንተኾይኑ፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ካብ ምሕታት ድሕር ኣይትበሉ። መዓልታዊ ህይወትኩም ከይተዓናቐፍ ብምባል፡ ኣልኮላዊ-መስተ ወይ ውን ካልእ ኣዐጋሲ መድሃኒታት ብምውሳድ ነቲ ሕማም ባዕልኹም ትፍውስዎ እንተኾይንኩም ውን ሕክምናዊ ሓገዝ ካብ ምሕታት ድሕር ኣይትበሉ።

ኩነታትኩም ክመሓየሽን ጽቡቕ ምእንቲ ክስመዓኩምን፡ ባዕልኹም ክትገብርዎ እትኽእሉ ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ሕክምናዊ ሓገዝ ንምርካብ ናበይ ከተብሉ ከምዘለኩም ዘይትፈልጡ ምስ እትኾኑ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ 1177.se ብምእታው ማእከላት-ጥዕና ኣበይ ከምዝርከባ ክትርእዩ ትኽእሉ። ምስ ማእከል ጥዕና ምርኻብ ምስ ዘጸግመኩም፡ ነቶም ኣብ ዙርያኹም ዝርከቡ ሰባት ክሕግዙኹም ተወከሱዎም።

ክግበረልኩም ዝኽእል ድጋፍ ኣሎ እዩ

ኲነታትኩም ክመሓየሽ ዝገብር ፍወሳ ኣሎ እዩ። እቲ ፍወሳ ብመልክዕ መድሃኒታትንን KBT ዝተሰምየ ኣገባብ ፍወሳን ይካየድ። KBT ንሓጺር ግዜ ዝካየድ ስነ-ኣእምሮኣዊ ፍወሳ ኮይኑ ብመልክዕ ዝርርብ ወይ ውን ብኢንተርነት ብዝግበር ኣገባብ ፍወሳ ይካየድ። ትሕዝቶ ናይቲ ፍወሳ፡ ሻቕሎት መዓልታዊ ህይወትኩም ብኣሉታ ከይጸልዎ ምእንቲ ከመይ ጌርምኩም ከም እትቆጻጽርዎ፡ ዝምህረኩም እዩ።

ኣብ በይንኻ ዝወረደ ኣይኮነን

ንነዊሕ ዓመታት ብናይ ራዕዲ ኣዝህንህኖት ድሕሪ ምስቓይ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ካብኡ ተላቒቖም ናብ ዝሓሸ ኩነታት ዝተሰጋገሩ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ሓደ ወይ ውን ካብኡ ዝበዝሕ ጸገማት ከምዘለካ ምፍላጥ፡ መወዳእታ ህይወት ማለት ኣይኮነን። እኳ ደኣ ብኣንጻሩ፡ ብዛዕባ ነብስኹም ክትፈልጡ፡ ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ክትተሓሓዝዎን እንታይ ከምዘድልየኩም ውን ክትፈልጡ የኽእለኩም። ካብ ዝነበርኩሞ ክትሕይሉን ዝበለጸ ነብስኣዊ-ርድኢት ውን ክህልወኩም ይገብር።