Ge en gåva

ሕሉፍ ሕማቕ ተሞክሮ ዘስዕቦ ኣእምሮኣዊ ምምዝባል

ሕሉፍ ሕማቕ ተሞክሮ ዘስዕቦ ኣእምሮኣዊ ምምዝባል (Posttraumatiskt stressyndrom (PTSD) መንነትን ዕድመን ዘይፈሊ፡ ንኹሉ ከጥቅዕ ዝኽእል ኣእምሮኣዊ ምምዝባል ዘስዕብ ጸገም እዩ። ንምድሃል ምቕላዕ፡ ግዳይ ተጋስሶ፡ ምድሃል ወይ ውን ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ሓደጋ ምስታፍ፡ ገለ ካብቶም ናይ ስቕያት ስምብራት ዝገድፍ ሕማቕ ተመኲሮ ክኾኑ ይኽእሉ። ግዳያት ናይ ከምዚ ዓይነት ኩነታት፡ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ድጋፍ ግን ኣሎ እዩ።

ሕሉፍ ሕማቕ ተሞክሮ ዘስዕቦ ኣእምሮኣዊ ምምዝባል እንታይ እዩ?

ሕሉፍ ሕማቕ ተሞክሮ ዘስዕቦ ኣእምሮኣዊ ምምዝባል፡ ነቶም ንህይወት ብዝፈታትን ዜሰንብድ ተመኲሮ ዝሓለፉ ሰባት ዘጥቅዕ፡ ኣእምሮኣዊ ጸገም ዝፈጥር ሕማም እዩ። ገለ ካብቶም ኣበገስቲ ጸገማት ናይ`ዚ ኣእምሮኣዊ ምምዝባል፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ኣካላዊ ወይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ተጋስሶ፡ ሞት፡ ስቓይ፡ ኲናት፡ ስደት፡ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት፡ ስርቂ ከምኡ ውን ሓደጋታት ይርከብዎም።

እቶም ግዳይ ናይ ሕሉፍ ሕማቕ ተሞክሮ ዘስዕቦ ኣእምሮኣዊ ምምዝባል ዝኾኑ ሰባት፡ ነቲ ዝሓለፍዎ ኣደራዕ ክርስዕዎ ይፍትኑ ግን ከኣ ኣይክእሉን እዮም። እቲ ሕሉፍ በሰላ ምህሳስ ይኣብዮም። ነቲ ዝሓለፍዎ ሕማቕ ተመኲሮ፡ ኣብ እዋን መዓልቲ ብመልክዕ ተዘክሮኣዊ ስእሊታት፡ ብድቅሶም ከኣ ብመልክዕ ዜባህርር ሕልሚ፡ ይነብርዎ። እዚ ኸኣ ከም ሳዕቤኑ ነቶም ግዳያት ናይ ዘይምምቻእ ስምዒታት ፈጢሩ፡ ድቃስ ክኣብዮምን፡ ክሻቐሉን፡ ቃንዛ ኣካላት ክገብረሎምን፡ ናይ ምድሃብ ጸገማት ክፈጥረሎምን ክንጸሉን ይገብሮም።

እዚ ሕማም ኣብ ህይወተይ እንታይ ኣሉታ የስዕብ?

ህይወት ናይቲ ግዳይ ብኸመይ ይጽሎ ዝውስን ረቋሒ፡ ዕምቆት ናይቲ ኣእምሮኣዊ ምምዝባል እዩ ዝውስኖ። ገለ ግዳያት ስራሕ ምኻድ ክቕጽሉን ልክዕ ከም ተራ ሰባት ክነብሩን ክኽእሉ እንከለዉ፡ ገሊኦም ከኣ ነዛ ካብ ገዛ ክወጹ ይርዕዱን ቅልውልው

እቶም ንሕሉፍ መከራ ዝምልከቱ ስእላዊ ተዘክሮታት፡ ብስምዒታዊ ጦብላሕታን ኣብ መዓልታዊ ህይወት ብዘጋጥሙ ነገራትን ክለዓዓሉ ይኽእሉ። እቶም ግዳያት ናይዚ ኣእምሮኣዊ ምምዝባል እምበኣር፡ ነቲ ዝሓለፍዎ መከራ ከዘኻኽሩ ካብ ዝኽእሉ ሰባት፡ ስድራቤትን የዕሩኽን ከይተረፈ፡ ክርሕቑ ምርኣይ ልሙድ ነገር እዩ።

ሕሉፍ ሕማቕ ተሞክሮ ዘስዕቦ ኣእምሮኣዊ ምምዝባል፡ ንኣካላት ናይቲ ግዳይ ኣዝዩ ንጡፍ ይገብሮ። ግዳያት ናይዚ ኣእምሮኣዊ ምምዝባል ብቐሊሉ ዝስንብዱን ብቐሊሉ ዝቚጥዑን ብምዃኖም፡ ጻርጽር ክብሉ ይኽእሉ እዮም። ኣብታ እዋን፡ እቲ ኹሉ ዝሓለፍዎ መከራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ህይወቶም ዘበላሸወሎም ኮይኑ ይስምዖም። እዚ ግን ሓቂ ክኸውን ኣይግበኦን እዩ።

ሕክምናዊ ሓገዝ ክሓትት ኣለኒ`ዶ?

ኩሉ ብሕማቕ ተመኲሮ ዝሓለፈ ግዳይ ሕሉፍ ሕማቕ ተሞክሮ ዘስዕቦ ኣእምሮኣዊ ምምዝባል ይኸውን ማለት ኣይኮነን። ግዳይ ናይ ከምዚ ዓይነት ጸገማት ኮይነ ኣለኹ ኢልኩም ምስ እትጥርጥሩ ግን፡ ምስ ማእከል-ጥዕና ከባቢኹም ወይ ውን ወይ ውን ክፉት ማእከል ሲካትሪያዊ ክንክን፡ ክትራኸቡ ትኽእሉ። ግዜ ሓሊፉ ኢልኩም ሕክምናዊ ረዳኤት ካብ ምሕታት ድሕር ኣይትበሉ። ከሎ ጌና ቐልጢፍኩም ምስ ሕክምና ምስ እትራኸቡ ኸኣ፡ እትሓውዩሉ ተኽሎታት ኣዝዩ ዓቢ ይኸውን። 30 ሚእታዊት ናይቶም ኣብ ውሽጢ ወርሒ ኣገልግሎት ፍወሳ ዝግበረሎም ሰባት፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ ንቡር ኲነተ-ጥዕና ይምለሱ።

ቤተ-ሰብ ግዳይ ውን ናብ ሕክምና ብምኻድ ሓገዝ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም። መስርሕ ፍወሳ ሕሉፍ ሕማቕ ተሞክሮ ዘስዕቦ ኣእምሮኣዊ ምምዝባል ከቢድ ስለዝኾነ፡ ቤተ-ሰብ ናይቲ ግዳይ ክሳተፉን ክሕግዝዎን ኣለዎ።

ምምርማር ሕማምን ፍወሳን

ሕሉፍ ሕማቕ ተሞኲሮ ዘስዕቦ ኣእምሮኣዊ ምምዝባል፡ ኣብቲ ግዳይ ዝህቦ ሓበሬታ ዝምርኮስ ደቂቕ መጽናዕቲ ተጌሩ እዩ ዝረጋገጽ። እቲ ሓኪም፡ በዚ ሕማም ዲኹም ወይ ብኻልእ ተጠቒዕኩም ንኽግምግም ዝሕግዞ፡ ዝተፈላለየ ደረጃታት ዝሓዘ ቅጥዒታት ክትመልኡ ትሕተቱ።

ንሕማም ሕሉፍ ሕማቕ ተሞኲሮ ዘስዕቦ ኣእምሮኣዊ ምምዝባል ኣብ ምፍዋስ ውጽኢታዊ ዝኾነ ኣገባብ ፍወሳ ኸኣ፡ እቲ ብተገንዝቦኣዊ ባህሪኣዊ ፍወሳ (kognitiv beteendeterapi (KBT) ዝፍለጥ ኣገባብ እዩ። እዚ ኣገባብ ፍወሳ፡ ቀስ ብቐስ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝሰፈኖ ሃዋህው፡ ነቲ ኣደራዕ ቀሪብካ ክትርእዮ ምፍታን ዝብል እዩ። በኸምዚ ከኣ፡ እቲ ግዳይ ክግንፍል ዝኽእል ናይ ሻቕሎት ግብረ-መልሲ ክንክዮን፡ ነቲ ሕማቕ ተዘክሮታት ውን ክገትኦ ይኽእል። ካልእ ተመሳሳሊ ኣገባብ ፍወሳ ናይ ዓይኒ ምንቅስቓስ መሰረት ኣብ ዝገብር ቴክኒክ ዝተሰረተ ኣገባብ ፍወሳ EMDR (Eye Movement Desensitization and Reprocessing) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣዓጋሲ ጭንቀት ዝኾነ መድሃኒታት ውን ኣብ ምፍዋስ ናይ ሕሉፍ ሕማቕ ተሞኲሮ ዘስዕቦ ኣእምሮኣዊ ምምዝባል ውን ጠቓሚ እዩ።