Ge en gåva

ዝተጣለለ ጭብጢ ንምልክታት ኣእሮኣዊ ሕማማት ዝምልከት ፍሉይ መርበብ-ሓበሬታ

ኣብዚ ክፋል`ዚ፡ ነቶም ልሙዳት ዝኾኑ መለለዪታት ሕማማት ኣእምሮን ኣብ መጽሓፍ DSM-5, (Diagnostic and statistical manual of mental disorders, 5th ed) ተጠቒሶም ዝርከቡ መትኒኣዊ-ሳይካትርን ዝምልከት ዝተጣለለ ጭቡጥ ሓበሬታ ኣለኩም። መጽሓፍ DSM-5፡ ሲካትራውያን ሓካይም ንመለለዪታት ናይዞም ሕማማት ከምርምሩ እንከለዉ ዝጥቀሙሉ መዐቀኒ ቅጥዒ ኣስፊሩ ይርከብ። ንተመሳሳሊ ኩነት ዝድህስስ ምስ ኣእምሮኣዊ-ሕማማት ከም ንኣብነት ነብሰ-ምጒዳእ፡ ነብስኻ ከተሕልፍ ዝደፋፍእ ሓሳብ፡ ወጽዓን ጓህን ዝተኣሳሰረ ኣምራት ዝምልከት ዝተጣለለ ሓበሬታ ውን ኣኪብና ኣለና።