Ge en gåva

ፍኑው ዝውተራን ወልፍን

ወልፊ ብዙሕ ነገራት ክፈጥሮ ዝኽእል ኮይኑ፡ ምስ ኣተኻዮ ካብኡ ክትወጽእ ኣጸጋሚ እዩ። ወልፊ ነቲ ግዳይ ናቱ ዝኾነ ሰብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመቕርቡን ፈተውቱን ውን ከየተረፈ ብዙሕ ገልታዕታዕ የስዕብ እዩ። ውርደትን ስቕታን ቀንዲ መሓዙት ወልፊ እዮም--ብዛዕባ ወልፊ ኣፍካ መሊኣካ ምዝራብ እምበኣር` ናብ ጥዕና ዝመልኦ ህይወት ዘሰጋጋር ድልድል እዩ።

ቅጥዒ-ኣልቦ ዝውተራ ወልፊ እንታይ እዩ?

ቅጥዒ-ኣልቦ ዝውተራ ወልፊ ማለት፡ ንጥዕናን ብዝሃስን ዝምድናታት ውን ብኣሉታ ብዝጸሉን መልክዕ ወልፊ ኣልኮል ወይ ውን ዕጸ-ፋርስ ምዝውታር ማለት እዩ። እዚ ቕጥዒ-ኣልቦ ምዝውታር ኣልኮልን ዕጸ-ፋርስን ንነዊሕ ግዜ ምስ ዝቕጽል ናብ ወልፊ ይቕየር።

ወልፋዊ-ሕማም እንታይ እዩ?

ወልፊ ኣልኮልን ዕጸ-ፋርስን፡ ህዝባዊ ሕማም እዩ። ጃደ ሰብ ወልፋዊ-ሕማም ኣለዎ ክበሃል እንከሎ፡ ነቲ ቕጥዒ-ኣልቦ ዝውተራ ኣልኮል ወይ ውን ዕጸ-ፋርስ፡ ክንክዮ ይኹን ደው ከብሎ ኣዝዩ የጸግሞ ማለት እዩ። ኣካላትና በቲ እንወስዶ ኣልኮል ወይ ውን ዕጸ-ፋርስ ምድንዛዝ ይለምዶ እሞ፡ ኣብቲ ዝደለናዮ ጥርዚ ወልፋዊ-ምድንዛዝ ምእንቲ ክንበጽሕ ከኣ፡ እቲ እነዘውትሮ መጠን ክብ እንዳበልናዮ ንኸይድ። ንኣካላትና እቲ ዝለመዶ ወልፊ ምስዘይንህቦ ከኣ፡ ጸገማት ስሕበት-ወልፊ ይፈጥረልና። ጸገማት ስሕበት-ወልፊ፡ ነቶም ቕጥዒ ብዘይብሉ መልክዕ ኣልኮል፡ ዕጸ-ፋርስ ወይ ውን ገለ ዘዐግስ መድሃኒታት ዝወስዱ ሰባት የጋጥሞም። ኒኮቲንን ቡንን ውን ተመሳሳሊ ናይ ስሕበት-ወልፊ ጸገም ይፈጥር እዩ። ሓደ ሰብ ውለፊ ጸወታታት (ጠላዕ መሳሊ) ውን ከማዕብል ይኽእል እዩ። ወልፊ መቆጻጸሪ ልጓም የብሉን። ኩሉ ህይወትካ ኸኣ፡ ኣብ ዙርያ ናይቲ ወልፊ’ያ ተዕገርግር።

ወልፋዊ-ሕማም፡ ነባሪ ዝኾነ ምልውዋጥ ናይቲ ደባሲ ክፋል ኣእምሮና ዝፈጥሮ ጸገም እዩ። ደባሲ ክፋል ኣእምሮና፡ ንህላዌን ቀጻልነትናን ኣገዳሲ ዝኾነ ነገራት ክንገብር ዘተባብዓና ክፋል ኣእምሮ እዩ። እዚ ክፋል ኣእምሮና፡ ንኣብነት ጽቡቕ መግቢ ምስ እንበልዕ፡ ኣካላዊ ምንቕስቓስ ምስ እነዘውትር ወይ ውን ስጋዊ-ክርብ ምስ እንፍጽም፡ ዶፓሚን ዝተሰምየ ፍሉይ ሞላክዩል ብምዝርጋሕ’ዩ፡ ከምኡ ዓይነት ነገራት ክንገብር ዘተባብዕና። ኣልኮላዊ መስተ ክንሰቲ ወይ ውን ዕጸ-ፋርስ ክንጥቀም እንከለና፡ ንኣእምሮና ብኣዝዩ ስልጡን ዝኾነ መንገዲ ጠቢርና ዶፓሚን ክዝርግሕ ንገብሮ። እዚ ኸኣ ኣብ ክንዲ ተፈጥሮኣዊ ጥዕና ናይ ምስካር ስምዒት ይዘርኣልና። ነዚ ስምዒት`ዚ ኸኣ እዮም ዝቡሓት መመሊሶም ከስታማቕርዎ ዝደልዩ። ዝተፈላለዩ ሰባት ነቲ ወልፊ ኣብ ማህጸን ከለዉ ካባና ክወርስዎ ልዑል ዝኽእሉሉ ልዑል ጀነቲካዊ ተኽእሎታት እሎ።

ወልፊ ንህይወተይ ብኸመይ ይጸልዎ?

ውልፊ ንምሉእ ህይወት ናይ ሓደ ሰብ ክቆጻጸር ይኽእል እዩ። ሃንደበት ከኣ ከይተረደኣካ፡ ካብ ምርዋይ ናይቲ ወልፊ ዝዓቢ ነገር ዘይብልካ ትኸውን። ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ወይ ውን ዕጸ-ፋርስ ምሕሳብን ብዘገምታ ግዙእ ናቱ ምዃንን ልሙድ እዩ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ ሃዋህው ስራሕ፡ ስድራቤትን ኩነተ ጥዕናን ይሕመስ–ኣቐዲሞም ኣዝዮም ትሃርፎምን ኣገደስቲ ዝነበሩን ነገራት። ወልፊ፡ ንኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጥዕና ናይቲ ግዳይን፡ ከባቢ ውን ከይተረፈ ይሃሲ።

ሕክምናዊ ረድኤት ምሕታት ዋጋ ኣለዎ ድዩ?

ቀልፊ ከም ፍሽለት ተቆጺሩ፡ ነቲ ግዳይ ናይ ወቐሳን ውርደትን ስምዒት ክሓድሮ ከምዝኽእል ይገብር። ወልፍ ክፍወስ ዝኽእል ሕማም ምዃኑ፡ ክንፈልጦ ዘለና ኣገዳሲ ነገር እዩ። ውሉፍ ምዃናካ ሓቢእካ፡ ነቲ ጸገም ከምዘየለ ጌርካ ክትወስዶ ምፍታን፡ ነቲ ወልፊ መሊሱ ዘራጒድ እዩ። እቶም ወልፋዊ-ሕማም ዘለዎም ሰባት ሽግር ከምዘለዎም ክእመኑ ኣዝዩ የጸግሞም ስለዝኾነ፡ ቤተ-ሰቦም ክሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም። ምስ ሓደ እትኣምኖ ሰብ ብዛዕባ`ቲ ወልፊ ክትዛረብ ፈትን።

ወልፊ፡ ኣብ ኣእምሮና ነባሪ ዝኾነ ምቕይያራት ስለዘስዕብ ክትፍውሶ ኣጸጋሚ እዩ። ፍወሳ ዝተገብረሉ ሰብ ግን፡ ምስቲ ሕማም ብኸመይ ተለማሚዱ ክነብር ይኽእል ክመሃር ይኽእል። ’’ዘይሰቲ ኣልኮሊዛቶ“ ወይ ውን ’’ዘይጻወት ተጻዋቲ’’ ብምዃን ግን እቲ ግዳይ ወልፊ ዝኾነ ሰብ ኩነታት ነብሱን ከባቢኡን ንምምሕያሽ ሓላፍነት ክወስድ ይኽእል።

እንታይ ዓይነት ፍወሳ ኣሎ?

ናይ ወልፊ ጸገማት ምስ ዝህልወኩም ምስ ማእከል-ጥዕና ወይ ውን ትካላዊ ማእከል ጥዕና (företagshälsovården) ክትዘራረቡ ትኽእሉ። ድሕሪ ደቂቕ ዝኾነ ምርምር ናይቲ ወልፊ ዘኸተሎ ጸገማትን ካልእ ሰነ-ኣእምሮኣዊ ሕማማትን፡ ኣብ ዝርርብን መድሃኒት ምውሳድን ዝተሰረተ ፍወሳ ይግበረልኩ። ናይ ወልፊ ጸገማት ዘለዎም ሰባት ጥራይ ዝቕበላ፡ ቤተ-ሰብ ግዳያት ወልፊ ውን ከይተረፉ ሓገዝ ክሓቱለን ዝኽእሉ ማእከላት-ጥዕና ውን ኣለዋ እየን። ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ውጻኢታዊ ዝኾነ ኣገባብ ፍወሳ-ወልፊ፡ እቲ በዓል ዓሰርተ-ክልተ ደረጃታት (tolvstegsprogrammet) ዝተስመየ ኣገባብ ፍወሳ እዩ። ካልእ ናይ ፍወሳ መገዲታት ንምድህሳስ ውን ብርክት ዝበለ ምርምራዊ ጻዕሪታት ኣብ ምክያድ ይርከብ ኣሎ።