Ge en gåva

ፍሉይ ፎብያ (ፍሉይ ፍርሒ)

ብዙሓት ሰባት፡ ደም፡ ሳሬት ወይ ውን በሪኽ ክርእዩ እንከለዉ፡ ሕማቕ ይስምዖም። እቲ ፍርሒ ኣዝዩ ከብዲ ምዝኸውን ነቶም ግዳያት ከምቲ ዝደለይዎ ከይነብሩ ዕንቕፋት ይኾኖም። እዚ ኸኣ ፍሉይ ፎቦያ (ፍሉይ-ፍርሒ) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ነዚ ከሕዊ ዝኽእል ውጽኢታዊ ዝኾነ ፍወሳ ኣሎ እዩ።

ፍሉይ ፎብያ እንታይ እዩ?

ፍሉይ ፎብያ፡ ሓደ ፍሉይ ነገር ወይ ኩነታት ዝለዓዕሎ ዝተጋነነን ዘይገድፈካን ፍርሒ ማለት እዩ። ነቲ ፍሉይ ፍርሒ ዝፈጥረልካ ነገር ክገጥመካ እንከሎ፡ እተርእዮ ግበረመልሲ፡ ሻቕሎት፡ ጥሩፍ ጽልኣት ወይ ውን ራዕዲ እዩ። ደስ ዝይብለካ ነገር ምግጣም ፎብያ ኣለካ ማለት ኣይኮነን። እቲ ነገር ፍርሒ ዝፈጥረልካ ምስ ዝኸውን እሞ ካብኡ ንኽትእለይ ገልታዕታዕ ክትብል ትግደድ ወይ ውን ንህይወትካ ዘሰናኽል ምስ ዝኸውን ግን፡ ፎብያ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ዓውዲ ሳይካትሪ፡ ፍሉያትፎብያ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉጅሌታት ይከፋፈሉ። እቲ ቀዳማይ ናይ እንስሳታት ፎብያ እዩ፣ እዚ ማለት ከኣ፡ እቲ ግዳይ ከም ተመን፡ ሳሬት፡ ኣናጹ ወይ ውን ኣኽላባት ክርኢ እንከሎ ፎብያ ወይ ምሑር ፍርሒ ይዘርኣሉ። ምስ ተፈጥሮኣዊ ክስተታት ከም በረኽቲ ቦታታት፡ ነጐዳ ወይ ውን ማይ ዝተተሓሓዘ ፎብያ ውን ኣሎ። ካልእ ዓይነት ፎብያ ከኣ፡ ምስ ፍሉይ ኩነታትን ራዕደዕብጠት (ኣብ ጸቢብ ቦታ ብምዃን ዚፍጠር ፍርሒ) ዝተተሓሓዘ ኮይኑ እቶም ግዳያት ኣብ ኣልዓሊት (ሂስ) ወይ ውን ኣብ ነፋሪት ምድያብ ራዕዲ ይፈጥረሎም። ናይ ደም፡ ምዕፋንን ናይ ተምላስን ፎብያ ውን ኣሎ። ናይ ደም ፎብያ ዘለዎም ሰባት፡ ደም ምስ ክርእዩ እንከለዉ ቀልቦም ከጥፍኡ ይኽእሉ።

ፍሉይፎብያ፡ ነቶም ኣብ ክሊ 6 ክሳብ 12 ዓመት ዝርከቡ ህጻናት ዘጥቅዕ ፎብያ እዩ። እቲ ነቶም ኣብዚ ክሊ ዕድመ ዘለዉ ሰባት ዘየጥቅዕ ዓይነት ፎብያ፡ እቲ ፍሉይ ኩነታት ዝፈጥሮ፡ ነቶም ኣብ ክሊ 13 ክሳብ 22 ዓመት ዘለዉ ሰባት ብዝያዳ ዘጥቅዕ፡ ፎብያ እዩ። መበገሲ ፎብያ ናይ ኣካላትና ጂንስ ኮይኖም፡ ኣብቲ ምሳና ዝውለድ ምስ ምህዳምን ምቕላስን   ዝተተሓሓዘ ባህርያትና ዝተሰረተ ውን እዩ። ክንነብር ምእንቲ፡ ንገለ ነገራት ክንፈርሖምን ግብረመልሲ ክንህበሎምን ንመሃር። ኣብ ፎብያ ዘለዎ ሰብ፡ እዚ ናይ ፍርሒ ግብረመልሲ ዶቡ ዝሓለፈ ወይ ዝተጋነነ እዩ።

ካብ ደቂተባዕትዮ ንላዕሊ፡ ደቂኣንስትዮ እየን ብፎብያ ዝጥቅዓ። ሰለስተ ካብ ኣርባዕተ ብፎብያ ዝተጠቕዑ ሰባት፡ ወትሩ እንተወሓደ 2 ዓይነታት ፎብያ ኣለዎም።

ፎብያ ንህይወተይ ብኸመይ ይጸልዎ?

ፎብያ ዘገንፍሎ ፍርሒ፡ ንመዓልታዊ ህይወት ናይ ሓደ ሰብ ክሕንኩል ይኽእል እዩ። ካብቲ ፎብያ ዘለዓዕለልካ ነገር ንምርሓቕ ዝውሰድ ስጉምታት ንማሕበራውን ናይ ስራሕዓለም ህይወትን ዝሕንኩል እዩ። ናይ ተመን ፎብያ ዘለዎም ሰባት፡ ተመን ብህይወቱ ምርኣይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ቲቪ ይኹን ኣብ ስእሊ ምስ ዝርእይዎ ውን እዩ ፎብያ ዝፈጥረሎም።   እቲ ግዳይ ናይ ፎብያ ዝኾነ ሰብ፡ ወትሩ ንኸባቢኡ እንዳተጸናጸነ እዩ ዝኸይድ። እዚ ማለት ከኣ፡ ከምዚኦም ሰባት ናብ ጫካ ካብ ምኻድ ክቊጠቡን፡ ብኽቱር ፍርሒ ካብ ገዝኦም ምውጻእ ውን ክሕረኩምን ይገብሮም። 

ኩሎም ፎብያታት ከከም ዓይነቶም ነናቶም ስምዒታዊ ግብረመልሲ ኣለዎም። ናይ ኣትማን ፎብያ ዘለዎ ሰብ፡ ተመን ክርኢ እንከሎ ዘርእዮ ፍርሒ ጽልኣት ርእየትን ካብኡ ቀልጢፍካ ምርሓቕን ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ደም ፎብያ ዘለዎ ሰብ ግን ደም ክርኢ እንከሎ ዝግንፍሎ ፍርሒ ግን ሃለዋቱ ከጥፍእ ዝፈታትኖ እዩ። ናይ ደም ፎብያ ዘለዎ ሰብ፡ ናብ ሓፈሻዊ ይኹን ሓኪምስኒ ካብ ምኻድ ይድረት። እዚ ኸኣ ሓደገኛ እዩ።

ካብዚ ጸገም ክገላገል ይኽእል`?

ኩሎም ፍሉያት ዓይነት ፎብያ ክሕከሙ ኣለዎም ማለት ኣይኮነን። እቲ ፎብያ ክሕከምን ዘይክሕከምን፡ ማዕረ ክንደይ እዩ ነቲ ሰብ ህይወቱ ዕቅፋት ዝኾኖ ዝብል ነገር እዩ ዝውስኖ። ንስኻትኩም ወይ ውን ቤተሰብኩም፡ ንነዊሕ ዝኸደ፡ ንመዓልታዊ ህይወቱ ዝዕንቅፍ፡ ከቢድ ፍርሒ ዝፈጥረሉ ነገር ወይ ውን ኩነታት ምህላዉ ምስ እትዕዘቡ፡ ሕክምናዊ ረድኤት ምሕታት ከድልየኩም እዩ። ዘይተፈወሱ ፎብታታ ነበርቲ እንዳኾኑ ይኸዱ። 

ምስ ማእከል ክንክንጥዕና ወይ ውን ምስ ክፉት ማእከል ክንክን ሳይካትሪ ክትራኸቡ ትኽእሉ ኢኹም። ብዜካ` ምስ ኣብ መዳይ ተገንዝቦኣዊ ባህሪኣዊ ፍወሳ ዝነጥፍ ፈዋሲ ወይ ተራፕየኛ ውን ብቐጥታ ክትራኸቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ምንጻር ሕማምን ፍወሳን

ነዚ ሕማም ብዝምልከት እቲ ግዳይ ፍርሒ ዝፈጥረሉ ነገራት ወይ ኩነታት ፈሊጡ ሓገዝ ይሓትት ከም ምህላዉ መጠን፡ ንመንነት ናይቲ ሕማም ምፍላጥ ከብዲ ጻዕሪ ኣይሓትትን እዩ። እቲ ግዳይ፡ ዝኾነ ነገር ወይ ኩነታት ክርኢ እንከሎ ማዕረ ክንደይ እዩ ዝፈርሕ ንምዕቃን፡ ፈተናታት ይግበረሉ እሞ ንሱ ኸኣ ማዕረ ክንደይ ዝኸውን ፈሪሑ ብመለክዒ ይሕብር።

ፎብያ፡ ብመንገዲ ፍወሳ ጠቕሊሉ ከምዝጠፍእ ክግበር ይከኣል እዩ። እቲ ልሙድ ኣገባብ ፍወሳ እቲ ብተገንዝቦኣዊ ባህርኣዊ ፍወሳ (kognitiv beteendeterapi (KBT) እዩ። ቀንዲ ሕመረት ናይዚ ኣገባብ ፍወሳ ኸኣ፡ ደረጃ ብደረጃ ነቲ ሰብ ምስቲ ዝፈርሖ ዘሎ ነገር ከም ዝለማመድ ብምግባር ደጊሙ ከምዘይፈርሕ ዝገብሮ እዩ።