- Other languages
ጸቕጥን ዕረፍትን
ጸቕጢ ተፈጥሮኣውን ሓንሳብ ሓንሳብ ውን ኣድላዪን እዩ። እቲ ክንርስዖ ዘይግበኣና ነገር ከኣ፡ ጸቕጢ ከንፍስ ክኽእል ኣለዎ። ብኻልእ ቋንቋ ካብኡ ምግልጋል ዳግማይ ናብ ንቡር ኩነተ-ጥዕና ምምላስ የድሊ። ኣብ ናይ ዘመና 24 ሰዓታት ላዕልን ታሕትን ዝብል ሕብረተ-ሰብ፡ ጽቕጢ ክነፍሰልና ዘኽእል ዕረፍቲ ክንረክብ ንኽእል ዝብል ነገር ንጹር መልሲ የብሉን። ዘመን ኣምጽኦ ኩነት ሕብረተ-ሰብና ከኣ`ዩ ንጸቕጢ ናብ ህዝባዊ ጥዕናዊ ኩርኳሕ ክገብሮ ዝኸኣለ። እቲ ኣገዳሲ፡ ኣብ ግዚኡ ፍሬኖ ምሓዝ እዩ።
ጸቕጢ እንታይ እዩ?
ጸቕጢ ማለት፡ ኩሉ ኣካላትና፡ ኣእምሮና ሓዊስካ፡ ዘስግኣና ነገር ንምግጣም ኣብ ጽዑቕ ምንቅስቓስ ይጽመድ። ክንሃድም ወይ ውን ነብስና ክንከለኸል ትርግታ ልብና ይንህር፡ ጭዋዳታትና ብቐሊሉ ዘድልዮም ሓይሊ ኽረኽቡ ከኣ፡ ስርዓተ መታቦሊስም ናይ ኣካላትና ዳግመ–ውደባ ይገብር። ኣእምሮና ካብ ሓደገኛ ኩነታት ንምግልጋል ኣብ ዘተኲረሉ እዋን፡ ህዋሳትና ኣብ ተጠንቀቕ ይጋደሙ።
ካብ ታሪኻዊ መዋእል–እምኒ ኣትሒዙ፡ ወዲ ሰብ ኣብ እዋን ጸቕጢ ዘርእዮ ግብረ–መልሲ፡ ንቐጻልነቱ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ኔሩ። ከምዚ እንተዘይገብሩ፡ ቀዳሞት ኣበሓጎታትና ንሓደጋታት ጸምጸም–በረኻ ክሰዕርዎ ኣይምኸኣሉን። ሎሚ ውን እንተኾነ፡ ኣካላትና ኣብ ቅድሚ ሓደጋ ምስ ዝግተር ዝፍለጦ መልሲ፡ ምህዳም ወይ ውን ምቅላስ እዩ። ካብቲ ኣብ መዋእል–እምኒ ዝነብረ ሰብ ዝፈልየና፡ ኣብቲ እዋን እቲ ጸቕጢ ሓጺር ዕድመ እዩ ኔርዎ። እቲ ህድማ ካብቲ ጸገመ ወይ ውን ምቅላስ ምስኡ ንሰዓታት ወይ ውን መዓልታት ይጸንሕ ኔሩ። ብድሕሪኡ ኸኣ ነዊሕ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ይኽተሎ ነበረ። ኣብ ናይ ዘመና ሕብረተ–ሰብ ግን ጸቕጢ ዘየቋርጽን ሃሳይን እዩ።
ጸቕጢ ብዓንደ ርእሱ ኣውንታዊ እዩ። ምስ ዝውሕጠና ግን ነቲ ዘስግኣና ኩነታት ክንቆጻጸሮ ስለዘይንኽእል ወይ ውን ኣብ እዋኑ ካብኡ የዕሪፍና ናብ ንቡር ክንምለስ ምስዘይንኽእል እዩ ሃስይኡ ከብዲ ዝኸውን።
ሓደ ሰብ ጸቕጢ ከምዘለዎ ብኸመይ ይፍለጥ?
ሓደ ሰብ ክንደይ ዝኸውን ጸቕጢ ክጽመም ይኽእል፡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ። ተጽዕኖ ስራሕ፡ ግላዊ ህይወት፡ ዓይነት–ናብራ፡ ዕድመን ጥዕናን ገለ ካብቶም ወሰንቲ ረቛሒታት እዮም። ጸቕጢ ብዝያዳ ንደቂ–ኣንስትዮ እዩ ግዳያት ዝገብር።
ጸቕጢ ልዑል ምንካይ ሓይሊ ኣካላት ስለዘስዕብ፡ ዘርእዮም ምልክታት ዝተፈላለየ ክኾኑ ይኽእሉ። መለለዪታት ነባሪ ጸቕጢ ንኣብነት፡ ሻቕሎት፡ ቃዝኖት፡ ክትድቅስ ዘይምኽኣል፡ ምምዝባዕ ተዘክሮ፡ ጸገማት ኣትኲሮ፡ ቀልጢፍካ ምቚጣዕ፡ ናይ ከብዲ ጸገማትን ቃንዛ ጭዋዳታትን፡ ዝኣመሰሉ እዮም። ካልእ ምልክታት ጸቕጢ፡ ሽጋራ ወይ ውን መስተ ክትሰቲ ምጅማር ወይ ውን ዓቐን ምውሳኽ፡ ብዙሕ ምብላዕ ወይ ውን መደቀሲ መድሃኒታት ምጥቃም የጠቓልል።
ንምንታይ እዩ ዕረፍቲ ዝተደልየ?
ነቲ ኣካላትና ዝህለኾ ሓይሊ ንምትክኡ፡ ኣካልትና ናብ ንቡር ንኽምለስ ዕረፍቲ የድልዮ። ንኣካልትና ነዚ ዕረፍቲ`ዚ ክረክብ ዕድል ምስዘይንህቦ ክንደክም ግድን ይኸውን። ኣብዚ እዋን ብዙሓት ሰባት፡ መዓልታዊ ናብ ስራሕን ትምህርትን ትሕቲ`ቲ ጥዕናዊ ዝኾነ ዓቐን ሓይሊ ኣካላት እንዳሃለዎም እዮም ዝወፍሩ። ኣብ ኣካላትና ዝወርድ ተጽዕኖ ኣዝዩ ከቢድን ነነዊሕ ግዜ ዝኸይድን ዕረፍቲ ዘይብሉ ውን ምስ ዝኸውን፡ ንሕማም ምጽንቃቕ ወይ ሃልኪ ንቃላዕ። ስለዝኾነ ከኣ ምልክታት ኣካላትና ኣንቢብና፡ ኣብ እዋኑ ፍሬኖ ክንሕዝ ክንክእል ኣለና።
ብሰንኪ`ቲ ጸቕጢ ዝፈጠሮ ዝወሰድ ብዙሕ ናይ ሕማም–ዕረፍቲ ዝረኣዩ ብዙሓት ወሃብቲ–ስራሕ፡ ገታኢ ስጉምታት ኣገዳሲ ምዃኑ ክግንዘቡ ጀሚሮም ኣለዉ። ካብ ዓመተ 2016 ጀሚሩ፡ ነዚ ዝምልከት ብበዓል–መዚ ኩነተ ስራሕ ዝወጸ መምርሒ ኣሎ እዩ። ብመሰረት ናይዚ መምርሒ ከኣ፡ ወሃብቲ–ስራሕ ምቹእ ሃዋህም–ስራሕን ርትዓዊ ዝኾነ ተጽዕኖ–ስራሕን ከዋድዱ ግዴታ ኣለዎም።
እንታይ እዩ ከም ዕረፍቲ ዝቊጸር?
ድሕሪ ጸቕጢ ዝፈጥር ተጽዕኖ፡ ኣእምሮና ዕረፍቲ የድልዮ እዩ። ድሕሪ ስራሕ፡ ገዛ ኬድካ ኣመት ቆልዑ ምግባር፡ ፋክቱራታት ምኽፋልን ድራር ምድላውን ከም ዕረፍቲ ኣይቊጸርን እዩ። ኣካላዊ ምንቕስቓስ ዘለዎ ንጥፈትን ምቁቕ ማሕበራዊ ርክብ ግን ዕረፍቲ እዩ። ቴለቪዥን ምርኣይ፡ መጽሓፍ ምንባብ ወይ ውን ኣብ ሶፋ ጎቦ ኮይንካ ሓንቲ ዘይምግባር ውን ዕረፍቲ እዩ።
ድቃስ እቲ ዝበለጸ ዕረፍቲ እዩ። ናይ ድቃስ ጸገማት ምስ ዝህልወካ፡ ጸቕጢ ዘይትጻወር ትኸውን። መብዛሕትኡ ግዜ ጸቅጢ እዩ ቀንዲ ናይ ምድቃስ ሽግር ዝወልድ። ኣብ ሓደ ለይቲ፡ 7 ክሳብ 8 ሰዓታት ድቃስ እኹል እዩ። ኣብ እዋን ስራሕ ዕረፍቲ ምውሳድ ውን ኣገዳሲ እዩ። ብዙሕ ናይ ስራሕ ተጽዕኖ ምስዝህልወኩም፡ ነዊሕ ክትጸንሑ መታን ከኽእለኩም፡ ብዙሕ ኣብ መንጎ ስራሕ ዝውሰድ ዕረፍቲ ምውሳድ የድልየኩም።