Ge en gåva

ምድሃል

ምድሃል ወይ ውን ሰለባ ምግባር፡ ንህጻናትን ኣባጽሕን ግዳያቱ ክገብር ዝኽእል ልሙድ ተርእዮ እዩ። እዚ ተርእዮ’ዚ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ነብሱ ዘለዎ ስእሊ ዝሃስን፡ ኣዝዩ ምስ ዝብእስ ከኣ፡ ነባሪ ስነ-ኣእምሮኣዊ ዘይምጥዓይ ከስዕብ ይኽእል። ነዚ ዋጋ`ዚ ክኸፍል ዝግደድ ሰብ ክህሉ የብሉን። ስለዝኾነ ከኣ`ዩ፡ ምድሃል ክንቃለሶ ዝግበኣና።

ምድሃል እንታይ እዩ?

ንምድሃል ምቕላዕ ማለት፡ ትሕቲ ሰብካ ምቊጻርን፡ ብተደጋጋሚ ግዳይ ዘለፋ ምዃንን ማለት እዩ። ምድሃል ግዳይ ሰለባ ምዃን ውን ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ። ኣብ ሃገረ ሽወደን ኣብ ዓመት ኣስታት 60000 ህጻናት፡ ግዳይ ምድሃል ይኾኑ።

ስነ-ኣእምሮኣዊ ምድሃል ዓይኒ-ንዓይኒ የጋጥም። ንኣብነት፡ ደስ ዘይብል ዘረባታት ብምድርባይ፡ ክፉእ ኣጠማማታ፡ ገጻዊ ኣገላልጻ፡ ኣባጫዊ ስሓቕ፡ ምንዛሕ ሓሶት ወረ ወይ ውን ኩሉ ግዜ ንሓደ ሰብ ካብ እኩብ ክትንጽሎ ብምፍታን። ኣብነታት ናይ ኣካላዊ ግህሰት ከኣ፡ ኣካላዊ ማህረምቲ፡ በዂድር ምዝባጥ፡ ምጉያጥ ወይ ውን ረጽማዊ ታህዲድ ይርከብዎም። ኣብ ኣብያተ-ትምህርታት ምድሃል ዘጋጥመለን ቦታታት፡ ክፍሊ መቐየሪ ክዳውንትን ሽንቲ-ቤትን እየን።

ኣባጽሕ ውን እንተኾኑ፡ ንኻልኦት ከምኦም ዝኾኑ ኣባጽሕ ይድህሉ እዮም። ሓደ ካብ ዓሰርተ ኣባጽሕ፡ ኣብ ቦታ ስርሖም ንምድሃል ከምዝተቓልዑ እዮም ዝዛረቡ። ኣብ መኣዲ ኢንተርነት ዝካየድ ምድሃል፡ ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ሽግራት ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ምድሃል ኣብ ኢንተርነት ብመልክዕ ርእይቶታት፡ ወረ ምንዛሕን ወይ ውን ኣነዋሪ ስእሊታት ብምዝርጋሕ ይካየድ።

ንሓደ ነገር ከም ምድሃል ክትቆጽሮን ዘይክትቆጽሮን፡ እቲ ስምዒት ናይቲ ዝተዳህለ ሰብ እዩ ዝውስኖ። ንሓደ ነገር ከም ደሃሊ ወይ ውን ከም ጸወታ ክቆጽሮ ዝኽእል እቲ ግዳይ ዝኸውን ዘሎ ሰብ እዩ። እቲ ክድህል ዝፈተነ ሰብ፡ እንታይ ሓሲቡ’ዩ ነቲ ነገር ፈጺምዎ ዝብል፡ ብዙሕ ትርጉም የብሉን።

ንህይወተይ ብኸመይ ይጸልዎ?

ምድሃል ኣብ ሰባት ዘኸትሎ ሰዕቤን ይፈላለ እዩ። እቲ ናይ ምድሃል ተርእዮ ንነዊሕ ግዜ ምስ ዝቕጽል ግን፡ እቲ ግዳይ ኣብ ልዕሊ ነብሱ ዘለዎ ኣራእያ ብሕማቕ ክህሰየሉ ዝኽእል ተኽእሎ ኣዝዩ ዓቢ እዩ። ከም ግዳይ መጠን፡ ኣብ መወዳእታ እቶም ደሃልቲ ዝፈጥርዎ ኩነታት ሓቒ እዩ ኢልካ ብምእማን፡ ካብ ካልኦት ሰባት ውን ዝሓመቕካ ኢኻ ዝብል ርድኢት ብዘይውዓል-ሕደር ኣብ ምቕባል ገጽካ ትዛዙ። እቲ ዝጋጥም ኩነታት ከምዚ ዝተገልጸ ኣይኮነን። ኮይኑ ግን እቲ ግዳይ ካብዚ ዝኸፍአ ማለት፡ ተነጽሎን ሰኸም-ውርደትን ክስምዖ ይኽእል።

ምድሃል፡ ብሻቕሎትን ቃዝኖትን ዝልለ ስነ-ኣእምሮኣዊ ዘይምጥዓይ ከስዕብ ይኽእል። ሳዕቤናት ምድሃል፡ ኣካላዊ መግለጺ ውን ክህልዎም፡ ማለት ከም ቃንዛ ርእስን ከብድን፡ ይኽእሉ እዮም። ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ቦታ ስራሕ ዘጋጥም ምድሃል ሓደ ካብቶም ቀንዲ ጠንቂ ምውሳድ ዕረፍቲ-ሕማም እዮ። ገለ ካብቶም በዚ ምኽንያት ዕረፍቲ-ሕማም ዝወስዱ ሰባት ግዳያት ሕማም ሃልኪ (utmattningssyndrom) ከምኡ ውን ግዳያት ሕሉፍ ሕማቕ ተመኲሮ ዝፈጠሮ ኣእምሮኣዊ ሕንፍሽፍሽ (posttraumatiskt stressyndrom (PTSD) ይኾኑ።

ናይ ምምሕያሽ ተስፋታት ኣሎ ድዩ?

ውርደት፡ ወቐሳ ከምኡ ውን ድኹም ኮይንካ ከይትርአ ዝብል ፍርሂ፡ ንብዙሓት ብዛዕባ ምድሃል ከይዛረቡ ይገብሮም እዩ። እዚ ኾይኑ እቲ ሓቂ፡ ነገራት ንኽመሓየሽ ግን እቲ ኩነታት ምቕያሩ ግድን እዩ። ነቲ ጒሓፍ ትሕቲ ምንጻፍ ከተእትዎ ምፍታን ፍታሕ ኣይኮነን። ኩሉ ሰብ ከኣ፡ ጽቡቕ ክስምዖን ሰብ ውን ብጽቡቕ ክቕበሎን መሰል ኣለዎ። ዝስመዓካ ዘሎ ኩነታት ኣመልኪትካ ምስ እትኣምኖ ሰብ፡ ወላዲ፡ ዘመድ፡ ጎረቤት፡ መሓዛ ወይ ውን ብጻይ/ብጸይቲ ምዝራብ ጽቡቕ እዩ።

ምድሃል ኣብ ሕብረተ-ሰብ ደው ንምባሉ፡ ካልእ ሰብ ግዳይ ምድሃል ክኸውን ከሎ፡ ሲቪካዊ-ትብዓት ብምርኣይ ነቲ ናይ ምድሃል ተርእዮ ደው ከተብል ምብጋስ ይሓትት። ንሓደ ነገር ከምዘይረኣኻዮ ክትመስል ካብ ምፍታን፡ ኣብ ሓደ እዋን ብግቡእ ተራኻ ምርኣይ ይሓይሽ።

ሓገዝ ንምርካብ ናባይ ክኸይድ ይኽእል?

ሓደ ህጻን ኣብ ቤት-ትምህርቲ ግዳይ ምድሃል ክኸውን ምስ እትርኢ ምስ ሰራሕተኛታት ናይቲ ቤት-ትምህርቲ ተዘራረብ።  ኣብያተ-ትምህርታት ብመሰረት ሕጊ ንምድሃል ዝምልከቱ ጸገማት ንምፍታሕ ዝዓለመ መደብ-ዕዮ ክህልወን፡ ግዴታ ኣለወን። ኣብ ቦታ-ስራሕ ዘጋጥም ምድሃል ብዝምልከት፡ ዝኾነ ሕጊ ዘየለ ኮይኑ፡ ኣብ መጋቢት 2016 ግን፡ ንስርርዓውን ማሕበራውን ሃዋህው መካነ-ስራሕ ዝምልከት ሓድሽ መምርሒ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ይርከብ። እዚ መምርሒ`ዚ ከኣ፡ ኣግላሊ ኣተሓሕዛ ሰራሕተኛታት ንምውጋድ፡ ተራ ወሃቢ-ስራሕ እንታይ ምዃኑ ብንጹር ኣስፊርዎ ይርከብ።

ሓደ ሰብ ሕማቕ ክስምዖ ምስ ዝጅምር ወይ ውን ናይ ነብሰ-ምሕላፍ ሓሳባት ክነግዶ ምስ ዝጅምር ካብ ደገ ሓገዝ ክሓትት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ናብ ማእከል-ጥዕና ወይ ውን ክፉት መቐበሊ ሲካትሪያዊ ክንክን ምኻድ ውን ይከኣል እዩ።

ምድሃል ናብ ረጽማዊ ገበን ምስ ዝምዕብል፡ ናብ ፖሊስ ምምልካት ይከኣል እዩ። ንኣብነት፡ ኣካላዊ ማህሰይቲ ዘውርድ፡ ምፍርራሕ ወይ ውን ምጽላም ክኸውን ይኽእል። ነዚ ብዝምልከት ምኽሪ ንምርካብ ንፖሊስ ተወከሱ።