Ge en gåva

ስእነት ኣእምሮኣዊ-ጥዕና እንታይ እዩ?

ከም ሻቕሎትን ቃዝኖትን ዝኣመሰሉ ኣእምሮኣዊ ጸገማት፡ ተኸተልቲ ሳዕቤናት ሃልኪ ዝበዝሖ ህይወት ኮይኖም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ውን ይስወሩ እዮም። ኣብ ህይወት ከጋትሙ ዝኽእሉ ተራ ጸጋማት ምስ ሕማም ከተሓሕዝዎም የልኩምን። ጸገማትካ ከሎ ጌና ከይበኣሰ እንከሎ፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ምሕታት ንመንነት ናይቲ ሕማም ንምንጻር ኣብ ዝግበር መርመራታት ሓጋዚ እዩ።

ኣእምሮኣዊጥዕና ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም

ኣእምሮኣዊ ጥዕና እንታይ ዘጠቓለለ እዩ ዝብል ሕቶ፡ ተመራመሪ ክካትዑሉ ይርከቡ። እቲ ስያመ ግን፡ ኩሉ ገጻት ናይ ጽቡቕ ኩነተጥዕና ወይ ዝሓቁፍ ኣርእስቲ እዩ። ንኣብነት፡ ስምዒታዊ፡ ስነኣእምሮኣውን ከምኡ ውን ማሕበራዊሃለዋት። ብመሰረት መብርሂ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣእምሮኣዊጥዕና፡ ዝኾነ ውልቀሰብ ዘሎ ዕድላት ዝምዝምዘሉ፡ ካብ ካብ ተጽዕኖን ሃልክን ነጻ ዝኾነሉ፡ ሰሪሑ ብምፍራይ ንዘለዎ ሕብረተሰብ ዘበርክተሉ ኣእምሮኣዊ ኩነት እዩ። ስለዚ ኣእምሮኣዊጥዕና፡ ክንዮ ካብ ኣእምሮኣዊ ጸገማት ነጻ ምዃን ዝኸይድ ትርጉም ዝሓዘ ኮይኑ፡ ውልቃዊ ተመኲሮታት ናይ ሓደ ውልቀሰብን፡ ኣብ ሞንግኡን ኣብ መንጎ እቲ ዝነብረሉ ማሕበራዊ ሃዋህውን ዘሎ ዝምድናታትን ዘጠቓለለ እዩ።

ኣእምሮኣዊጥዕናን ስእነት ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ብሓንሳብ ተጎራቢቶም ክመጹ ይኽእሉ እዮም

ኣእምሮኣዊጥዕና እንታይ የጠቓልል ዝብል ንጹር መግለጺ የብሉን። መብዛሕትኦም ዝሰማምዑሉ ግን፡ ካብ ኣእምሮኣዊ ሕማማት ወይ ጸገማት ነጻ ምዃን ጥራይ ዘስምዕ ከምዘይኮነ ዝብል እዩ። ኣእምሮኣዊጥዕና ከም ሓደ ፍሉይ ኩነት እዩ ዝግለጽ። እቲ ውልቀሰብ ሕጉስ፡ ምስ ነብሱ ይኹን ምስ ካልኦት ከምኡ ምስ ሕብረተሰብ ዘለዎ ሃዋህው ጽቡቕ ክኸውንን ዘኽእሎ፡ ኩሉ መኣዝናት ኣተሃላልውኡ ውሁድ ክኸውን ኣለዎ። ገለ ተመራመርቲ፡ ኣእምሮኣዊጥዕናን ስእነት ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ብሓንሳብ ተጎራቢቶም ክመጹ ይኽእሉ እዮም፡ ይብሉ።

ኣእምሮኣዊ ዘይምጥዓይ (ሕማም) ብኸመይ ይንጸር?

ሕሱም ስነኣእምሮኣዊ ዘምጥዓይ፡ ዝተፈላለየ መለለዪታትሕማም መሰረት ጌርካ ክንጸር ዝኽእል ሲካትሪያዊኩነት እዩ። ሓደ ኣብነት፡ ካብዚ ኣብ መለለዪታትሕማም ዝተሰረተ ንምንጻር ሕማማት ዘገልግል ስርዓት፡ እቲ ኣህጉራዊ ክወማ (ምደባ) ሕማማት (International Classification of Diseases) ዝተሰምየ ስርዓት እዩ። ካልእ ኣብነት ናይ ስፍሕ ዝበለ ስርዓት መለለዪሕማማት እቲ ብኣመሪካዊ ማሕበር ሲካትራውያን (American Psychiatric Association)ዝተዳለወ ማንዋል ወይ መምርሒ ኣእምሮኣዊ ምምዝባላት ዝተሰምየ (Diagnos­tic and Statistical Manual of Mental Disorders) ስርዓት እዩ። ብዓይኒ ፍወሳዊኣገልግሎት ክርአ እንከሎ፡ እዚ ድሒሩ ዝተጠቕሰ ማንዋል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ወጻኢ ውን የገልግል እዩ። ኣብ ጽላት ክንክንጥዕና ሽወደን ብዕሊ ዘገልግል ማንዋል ግን፡ እቲ ICD ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማንዋል እዩ።