Ge en gåva

ዝተጣለለ ጭብጢ

ኣብዚ ገጽ እዚ፡ ንኣእምሮኣዊ ጥዕና ዝምልከት ዝተገብረ መጽናዕታት ኣኪብና ኣቕሪብናዮ ኣለና። ንሕቶታትኩም መልሲ ዝኸውን ክትረኽቡሉ ተስፋ ንገብር።

ኣብዚ ክፋል`ዚ፡ ነቶም ልሙዳት ዝኾኑ መለለዪታት ሕማማት ኣእምሮን ኣብ መጽሓፍ DSM-5, (Diagnostic and statistical manual of mental disorders, 5th ed) ተጠቒሶም ዝርከቡ መትኒኣዊ-ሳይካትርን ዝምልከት ዝተጣለለ ጭቡጥ ሓበሬታ ኣለኩም። ሲካትራውያን ሓካይም ንመለለዪታት ናይዞም ሕማማት ከምርምሩ እንከለዉ ዝጥቀሙሉ መዐቀኒ ቅጥዒ ኣብዚ መጽሓፍ ሰፊሩ ይርከብ።

ንተመሳሳሊ ኩነት ዝድህስስ ምስ ኣእምሮኣዊ-ሕማማት ከም ንኣብነት ነብሰ-ምጒዳእ፡ ነብስኻ ከተሕልፍ ዝደፋፍእ ሓሳብ፡ ወጽዓን ጓህን ዝተኣሳሰረ ኣምራት ዝምልከት ዝተጣለለ ሓበሬታ ውን ኣኪብና ኣለና።